Fana: At a Speed of Life!

ንብራኸ ሃገርና ኣሰርና ክነንብር ኣለና – ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መላእ ክፋል ሃገርና ብዙሓት ዜጋታት ክሳተፉ ብምግባር ንብራኸ ሃገርና ኣሰርና ክነንብር ትፅቢት ይግበር ኢሉ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ፡፡

እቲ ኣገልግሎት ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ፈልሲ ናይ ምትካል ወፍሪ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፤ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 700 ሚሊየን ፈልሲታት ንምትካል ዝተሓሰበ ሸቶ ንኽዕወት መላእ ህዝቢ ክሳተፍ ይግባእ ክብል ኣገንዚቡ።

በዚ ድማ ዜጋታት ኣሰሮም ከንብሩ ከምዝግባእ ብንግላፅ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

እቲ ኣገልግሎት ኣብ መግለፂኡ÷ ብልምዓት ሓምለዋይ ኣሰር ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ኣብ ዝግር ጉዕዞ ሃገርና ዝተረጋገአት ሃገርን ትውልዲ ንምህናፅ ዘዕግብ ውፅኢት ተመዝጊቡ ኢዩ ኢሉ፡፡

ብፍላይ ድማ ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ካብ ዝብሰር ንደሓር ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ምንቕቓሕ ተፈጢሩ ኢዩ፡፡

መጠን ሽፋን ደኒ ሃገርና ብቕልጡፍ እናተቐየረ ከምዝመፅአ እውን ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ፡፡

ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝተዓጀቡ ሸውዓተ ዓመታት ዝተሳገረ ጉዕዞ ምዕባለ አትዮጵያ ኣብ ሃገርና ልዑል ውፅኢት ካብ ምርኣይ ሓሊፉ ኣብቲ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካን ዓለም ለኸ ትካላትን ፅዕንቶ ፈጣሪ ደረጃኣ ክብ ከምዘበሎ እቲ ኣገልግሎት ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ፡፡

24 ሓምለ 2017 ዓ.ም ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 700 ሚሊየን ፈልሲታት ብምትካል ኣብዚ ክረምት ንምዕዋት ዝተሓሰበ 7 ነጥቢ 5 ቢሊየን ፈልሲታት ናይ ምትካል ሸቶ ጋህዲ ንምግባር ኣሰርና ክነንብር ንመላእ ኢትዮጵያውያን ፃውዒት ቀሪቡ ኣሎ ኢሉ።

ብምዃኑ ድማ መላ ህዝቢ ካብ ኩሎም ኩርናዓት ኢትዮጵያ 24 ሓምለ 2017 ዓ.ም ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 700 ሚሊየን ፈልሲ ብምትካል ዝተሓሰበ ሸቶ ነዕውት ክብ ሃገራዊ ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.