Fana: At a Speed of Life!

ሰራዊት ምክልኻል ዘበናዊ ትካል ኮይኑ ንቐፃሊ ትውልዲ ንምርካብ ይስራሕ ኣሎ- ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ዘበናዊ ትካል ኮይኑ ንቐፃሊ ትውልዲ ንምርካብ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ።

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ከይዲ ህንፀት ዋና መምርሒ ምህንድስና ሰራዊት ምክልኻልን ቢሮታትን ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያን ላዕለዋይ መምርሒታት እዚ ፍሉይ ወፍሪታትን ተዓዚቦም።

ኣብ ዓውዲ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ቀፃሊ ምዕባለን ዘበናዊነትን ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ግምት ብምእታው ጠመተ ሂብካ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

ንቐፃሊ ትውልዲ ዝሓሸን ዘበናዊን ትካል ንምርካብ በዝድለ ፅርየትን ሰሌጠንን ፕሮጀክታት እናተሃነፁ ከምዝኾኑ እውን ኣገንዚቦም።

ነቲ ትካል ዝተሰለዐ ስሩዕ ባጀት ብዘይምንም ብኽነት ኣብ ረብሓ ብምውዓል ብዙሓት ኩለ መዳይ ፕሮጀክትታት ኣብ ሓፂር እዋን ምህናፅ ከምዝተኽኣለ እውን ገሊፆም።

ቅድሚ ለውጢ ፕሮጀክትታት ጀሚርካ ምግዳፍ፣ ዝተሰለዐሉ ባጀት ብኣግባቡ ዘይምጥቃምን ንብኽነት ናይ ምቅላዕን ፀገማት ከምዝነበሩ ኣዘኻኺሮም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ፕሮጀክትታት ጀሚርካ ምግዳፍ ኣይሕሰብን ብምባል፥ ኣድላዪ ደገፍን ክትትልን ብምግባር ፕሮጀክትታት ኣብ ዝሓፀረ እዋን ተሃኒፆም ንኣገልግሎት ይበቕዑ ከምዘለዉ ሓቢሮም።

ብመላኩ ገድፍ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.