ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ስታርታፕ ቢዝነሳት ክስፋሕፍሑ ይገብር ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢኒሼቲቭ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ኩባኒያታት ቴክኖሎጂ ጎሊሆም ንኽወፅኡን ስታርታፕ ቢዝነሳት ክስፋሕፍሑ ይገብር ኣሎ ኢሉ ሚኒስቴር ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽን፡፡
ኢኒሼቲቩ ሃገራዊ ስነ ምህዳር ቴክኖሎጂ ንኽምስረት ከምዘኽአለ ተገሊፁ።
ኣማኻሪ ሚኒስትር ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽን ኣብዮት ባዩ (ዶ/ር)፥ ኢትዮጵያ ኣብ ኢኖቬሽንን ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስን ብዙሓት መናእሰይ ወነንቲ ዓበይቲ ኩባንያታት ንምግባር እናሰርሐት ምዃና ተዛሪቦም፡፡
መንግስቲ ነቲ ዓውዲ ብዝሃቦ ትኹረት ሰፋሕቲ መሰረተ ልምዓታት ቴክኖሎጂ ከምዝተሰርሑ ብምሕባር÷ ኣብዚ ዓመት ካብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝተመረቑ ተምሃሮ ናይ ባዕሎም ቢዝነስ ክምስርቱ ዕድል እናተመቻቸወ ከምዝርከብ ሓቢሮም፡፡
ካልኣይ ዙር ኢኒሼቲቭ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ክቕፅል ዝበሉ ኣብዮት (ዶ/ር)÷ ዲጂታላይዜሽን ንፈጠራ ዕድል ስራሕን ፈጠራ ዓቕሚ ንምጉልባትን ከምዝሕግዝ ኣብሪሆም።
ብፀጋዬ ንጉስ