Fana: At a Speed of Life!

ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ዝተመደበኦ ዓውዲ ልኡኽቶ ክኣትዋ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣብ ዝቕፅሉ ዓመታት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ዝተመደበኦ ዓውዲ ልኡኽቶ ክኣትዋ ኢየን ኢሉ፡፡

ሚኒስትር ዴኤታ ትምህርቲ ኮራ ጦሽኔ (ዶ/ር) ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ከምዝበሉዎ÷ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ዝተመደባሉ ሓፈሻዊ ተግባርን ዓውዲታት ምርምርን ኣቲየን ኢየን፡፡

ብዝተፈላለየ ብርኪ ይኹን እምበር ኩሎም ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ናብ ዓውዲ ልኡኽቶአን ምእታወን ብምግላፅ÷ ዩኒቨርሲቲታት ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ዓውዲ ልኡኽቶአን ክኣትዋ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

ዩኒቨርሲቲታት ብዓውዲ ልኡኽቶ ምፍላይ ክእለት ዘለዎ ሓይሊ ሰብ ንምፍራይ ክስራሕ ኢዩ ክብሉ ኣብሪሆም።

ኢንዱስትሪታት ናብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብምምፃእ ንተምሃሮ ስልጠና ክህቡን ስታርትኣፖት ንኽፍጠሩን ከምዝግበር እውን ኣመልኪቶም።

ዩኒቨርሲቲታት ናብ ልኡኽቶአን ምእታወን ተምሃሮ ፀጋ ከባቢኦም ብምፍላይ ናብ ማሕበረሰቡ ክቐርቡ ዘኽእል ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ብመሳፍንት እያዩ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.