ኣርቲስት ደበበ እሸቱ ናይ ኩሉ ግዘ እሙን ኣገልጋሊ ኢትዮጵያ ነይሮም – ወ/ሮ ሸዊት ሻንካ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣርቲስት ደበበ እሸቱ ናይ ኩሉ ግዘ እሙን ኣገልጋሊ ኢትዮጵያ ነይሮም ኢለን ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ወ/ሮ ሸዊት ሻንካ።
መርሃ ግብሪ ምፍናው ኣስከሬን ኣርቲስት ደበበ እሸቱ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ስድራ እቲ ኣርቲስት፣ ናይ ሙያ መሓዙት ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ብሄራዊ ቴኣትር ተሳሊጡ።
ወ/ሮ ሸዊት ሻንካ፥ ኣርቲስት ደበበ እሸቱ ንረብሓ ሃገሩን ንዝኣመነሉ ዕላማን ደው ዝበለ ነይሩ ኢለን።
እቲ ኣርቲስት ሽሙ ተኺሉ ዝሓለፈ ምዃኑ ብምሕባር፥ ስራሕቱ ህያው ኮይኖም ከምዝነብሩ ተዛሪበን።
ብፍልጠቱን ልምዱን ንረብሓ ሃገሩ ዘብዒ ምዃኑ ብተግባር ምርኣዩ እውን ገሊፀን።
ኣብ ዘበን ህይወቱ ዝሰርሖም ስራሕቲ ኪነ ጥበበን ማሕበራዊ ጉዳያትን ምስክር ኮይኖም ክነብሩ ኢዮም ኢለን።
ናይ ሙያ መሓዙቱ እውን ብዝሰርሖም ስራሕቲ ልዑል ኣፍልጦ ዘለዎ ብምዃኑ ብምግላፅ፥ ኣብ ዘበን ህይወቱ ዘበርከቶ ኣስተዋፅኦ መርኣያ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።
ብሶስና ኣለማየሁ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!