Fana: At a Speed of Life!

ህንፀት መገዲ ቅልጣፈ ሚኤሶ-ድሬዳዋ ንርክብ ንግዲ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ዕዙዝ ረብሓ ኣለዎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ህንፀት መገዲ ቅልጣፈ ሚኤሶ-ድሬዳዋ ኢትዮጵያ ምስ ሃገራት እቲ ንዞባ ትገብሮ ርክብ ንግዲ ህዝቢ ምስ ህዝቢን ዕዙዝ ረብሓ ኣለዎ ኢለን ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ፡፡

ዕላዊ ስነ ስርዓት መጀመሪ ህንፀት እቲ መገዲ ቅልጣፈ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ተሳሊጡ፡፡

ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፀኦ፥ ንዕቤት ሃገርን ብልፅግናን ወሳኒ ዝኾነ መሰረተ ልምዓት መገዲ ብትኹት እናተሰርሐ ይርከብ፡፡

መገዲ ቅልጣፈ ሚኤሶ-ድሬዳዋ ትራንስፖርት ወፃኢን ቅድሚ ሕዚ ንምጉዓዝ ዝውድኦ ዝነበረ ልዕሊ 5 ሰዓት ናብ 1 ሰዓት 30ን ዝንኪ ከምዝኾነ ኣልዒለን፡፡

እቲ ፕሮጀክት ኢትዮጵያ ትርከበሉ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣካል ኢኒሼቲቭ ምትእስሳር እንትኸውን፥ ምስ ሃገራት እቲ ዞባ ንእትገብሮ ርክብ ንግዲን ህዝቢ ምስ ህዝቢን ዝለዓለ ረብሓ ከምዝህለዎ እተን ሚኒስትር ኣብሪሀን፡፡

እቲ ፕሮጀክት ዘበናዊ፣ ድሕንነቱ ዝተሓለወን ምቹውን ኣገልግሎት ትራንስፖርት ንመሃብ ዘኽእል ኢዩ ምባለን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.