Fana: At a Speed of Life!

ካብ መመሓየሺ መሃያ ተተሓሒዙ ዘየድሊ ወአላስፈላጊ ዋጋ በሚጨምሩ ነጋዴዎች ላይ ርምጃ ይወሰዳል

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ መመሓየሺ መሃያ ተተሓሒዙ ኣብ መሰረታዊ ጠለባት ኣድላዪ ዘይኮነ ወሰኽ ዋጋ ከየጋጥም ቁፅፅር እናተገበረ ይርከብ ኢሉ ቢሮ ንግዲ እታ ከተማ፡፡

ኣብቲ ቢሮ ዳይሬክተር ኮሙኒኬሽን ኣይተ ኣሸናፊ ብርሃኑ ንፋና ዲጂታል ከምዝበሉዎ÷ ኣብታ ከተማ ዘሎ ቀረብ መሰረታዊ ጠለብ ኣቑሑት ንምስላጥ ብዕቱብ እናተሰርሐ ይርከብ፡፡

ብመሰረት እዚ ድማ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከቡ ዓበይቲ ማእኸላት ዕዳጋ ፍርያታት ሕርሻን ኢንዱስትሪን ብስፍሓት ንተጠቀምቲ እናቐረቡ ኢሎም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ኩለን ወረዳታት ኣብ ዝርከቡ 219 ዕዳጋታት ቀዳም ኣቑሑት መሰረታዊ ጠለባት ብተመጣጣኒ ዋጋ ንነበርቲ ተበፃሒ ኮይኑ ኢዩ ኢሎም፡፡

ውፅኢታት ሕርሻን ኢንዱስትሪን ኣብ ዕዳጋታት ቀዳም ብስፍሓት ንኽቐርቡ ምትእስሳር ዕዳጋ ከምዝተፈጠረ እውን ኣመልኪቶም፡፡

ብኻሊእ መዳይ ምስ ምምሕያሽ መሃያ ተተሓሒዙ ይኹን ብኻሊእ ሰበብ ብዘይግቡእ ወሰኽ ዋጋ ኣብ ልዕሊ ዝገብሩ ነጋዶ ግብረ ሓይሊ ተጣይሹ ቁፅፅር እናተገበረ ከምዝርከብ ፀሪሖም፡፡

ፍርያት ኣብ ልዕሊ ዝሓብኡን ዝኽዝኑን ስሱዓት ነጋዶ ፍሉይ ክትትል እናተገበረ ከምዝኾነ እውን እቶም ዳይሬክተር ኣገንዚቦም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.