ናይ ትሪሊየን ዶላር ዕዳጋታትን ናይ ንቑሕ ዜጋ ግደን
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያውያን ዝተፈላለዩ ሃሽታጋት ብምጥቃም ንሃገሮም ኣምበሳደር ክኾኑ ትፅቢት ይግበረሎም።
ዓለም ለኸ ትካል መፅናዕቲ ክመ ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2030 ብብርኪ ዓለም ብዑደት ቱሪዝም፣ ፋሽን ኢንዱስትሪ፣ ምትእንጋድ ኣኼባን ባህላዊ ምግቢታትን ናይ 1 ትሪሊየን ዶላር ዕዳጋ ከምዝኸውን ይሕብሩ።
ቀንዲ ሕቶ ሃገራት ዝኸውን ድማ ዘለኒ ሃፍቲ ገሊፀ፣ ኣሽሪፈ ናይዚ ዕዳጋ ተቛዳሲ እንታይ ክገብር ኣለኒ ዝብል እንትኸውን እዚ ድማ ልዑል ልኡኽቶ መንግስታት ኢዩ፡፡
ኣብ ዲጂታል ዓለም ሓላፍነት ንቑሕ ዜጋን ቀዳማይ ዓይነት ተሳትፎን ዝኾውን ድማ ሃገረይ ናይዚ ተቛዳሲት ንኅትከውን ዘለዋ ሃፍቲ ብኸመይ ንዓለም ከርኢ፣ ከፋልጥ፣ ብኸመይከ ግንዛበ ክፈጥር ዝብል ይኸውን፡፡
ነዚ ድማ ቀፂሎም ዝተዘርዘሩ ሃሽታጋት ብምጥቃምን ብምዕባይን ኢትዮጵያውያን ንሃገሮም ኣምባሰደር ክኾኑ ትፅቢት ይግበረሎም።
1ይ. #VisitEthiopia
ሃፍቲታት ተፈጥሮ፣ ሓድጊታት፣ ባህሊን መልክዓ ምድሪን ኢትዮጵያ የፋልጥ፣ ዓለም ለኻዊ ምስሊ ሃገርና ከም ፍልይቲ ኣፍሪካዊ መብፅሒ የዕቢ።
2ይ. #BuyEthiopian ን #MadeInEthiopia
ፍርያታት ኢትዮጵያ ምስ ባህላዊ ኣልባሳት ፋሽን፣ ቡንነ ኢደ-ጥበብን ክሳብ መገዲ ኣየርን ውፅኢታት ሕርሻን የፋልጥ፣ ኢኮኖሚ ይድግፍ፣ ፍርያት ወፃኢ የዕቢ ከምኡ እውን ሽም ፍርያት (brand) ኩርዓት ይሃንጽ።
3ይ. #MeetInEthiopia
ንኢትዮጵያ ብሓፈሻን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ለውጢ ንዝርከባ ከተማታታ ንዓለም ለኸ ምድላዋትን ኩነትን ማእኸል ናይ ምዃንን ናይ ምትእንጋድን ዓቕማን ኣብ ዲፕሎማሲ ኣፍሪካ ከምኡ እውን ብዓለም ለኸ ምትሕብባር ዘለዋ ግደ የፋልጥ።
ዝተፈላለዩ ባህላዊ ምግቢታት ኢትዮጵያ ብምጉላህ፣ ቱሪዝም ኣሰራርሓ ምግቢ ብምፍላጥን ጣዕሚታት ምግቢ ሃገርና ብብርኪ ዓለም ግንዛበ ይፈጥር።
ከም ሕርሻ፣ ኢነርጂ፣ ማኑፋክቸሪንግ፣ ቱሪዝምን ቴክኖሎጂን ኣብ ዝበሉ ዓውዲታት ሰፈሕቲ ዕድላት ኢንቨስትመንት እዛ ሃገር ዘፋልጥ ኢዩ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!