ዩኒቨርስቲ አቪዬሽን ኢትዮጵያ ዘሰልጠኖም ተምሃሮ ኣመሪቑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ዩኒቨርስቲ አቪዬሽን ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዓውድታት ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂ፣ ምህንድስናን ሒሳብን ዘሰልጠኖም 28 ካልኣይ ብርኪ ተምሃሮ ሎሚ ኣመሪቑ።
እቶም ተምሃሮ ብሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣቢሎም ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ዘትውፃእፅኡ እዮም።
እቲ ስልጠና ተምሃሮ ኣብ ዓውድታት ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂ፣ ምህንድስናን ሒሳብን ክእለት ንምዕጣቕ ዝዓለመ እዩ።
ኣብ ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ብተኸታታሊ ከውሃብ ዝፀንሐ ስልጠና ናይ ተማሃሮ ልዑል ውፅኢት ንምምፃእንንላዕለዋይ ትምህርቲ ዘለዎም ድሌትን ከም ዘዕበዮ ተዛሪቦም፡፡
እቲ ዩኒቨርሲቲ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ክልተ ዙር ልዕሊ 50 ካልኣይ ብርኪ ተምሃሮ ኣሰልጢኑ ምምራቑ ይዝከር፡፡
ብመራኦል ከድር
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!