Fana: At a Speed of Life!

ካብ ንግዲ ወፃኢ ልዕሊ 9 ነጥቢ 4 ቢሊየን ዶላር ንምርካብ ትልሚ ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስትር ንግድን ቀጣናዊ ዝምድናን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር)ኣብ 2018 ዓ.ም ዓቕሚ ንግዲ ወፃኢ ኢትዮጵያ ክብ ብምባል ልዕሊ 9 ነጥቢ 4 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ንምርካብ ትልሚ ትልሚ ተታሒዙ ኢሎም።

ኣብ 2017 ዓ.ም ብዓውዲ ንግዲን ቀጣናዊ ዝምድናን ልዑል ዓወት ከምዝተመዝገበ ገሊፆም።

ስብራት መሰረተ ልምዓት ዕዳጋ ኢትዮጵያ ንምፅጋን ብመሰረት ዝተሰርሐ ስራሕ ውፅኢት ከምዝተመዝገበ እውን ተዛሪቦም።

ልዕሊ 1 ሺሕን 500 ማእኸላት ዕዳጋ ቀዳመ ሰንበት ብምውዳብ ኣፍራይን ዓዳጊን ዝራኸብሉ ምቹእ ምህዳር ከምዝተፈጠረ ኣብሪሆም።

ብዘበናዊ ቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ስርዓት ኣገልግሎት ብምዝርጋሕ ማሕበረሰብ ንግዲ ብኦን ላይን ምዝገባን ኣገልግሎት ፍቓድን ንግዲ ንክረክብ ይግበር ኣሎ ኢሎም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.