Fana: At a Speed of Life!

ኮሎምቢያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኤምባሲኣ ከፊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኮሎምቢያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ኤምባሲኣ ከፊታ።

ምክትል ፕሬዚዳንት ኮሎምቢያ ፍራንሲያ ማርኬዝ ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት የካይዱ ኣለዉ።

እቶም ፕሬዚደንት ኣብ ፃንሒቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኮሎምቢያ መሪቖም ከፊቶም።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዮስ (ዶ/ር)ን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ተረኺቦም።

ጌዲዮን ጢሞቲዮስ (ዶ/ር) ምክትል ፕሬዚዳንት ፍራንሲያ ማርኬዝ ርክብ ኢትዮጵያን ኮሎምቢያ ንምጥንኻር ንዝገበርዎ ተወፋይነት ንኢዶም።

ኮሎምቢያ ኤምባሲኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምኽፋታ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ዝያዳ ዘጠናኽር ምዃኑ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ንፋና ዲጂታል ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ተዛሪቦም፡፡

ኢትዮጵያ ምስ ኮሎምብያ ዘለዋ ርክብ ኣብ ብራዚል ብዘለዋ ኤምባሲ ኣቢላ ከም እተካይዶ እውን ኣመልኪቱ።

ምክትል ፕሬዚዳንት ፍራንሲያ ማርኬዝ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝፀንሓሉ እዋን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዘትዮም።

ብመላኩ ገድፍ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.