ኪን-ኢትዮጵያ ኣብ ራሺያ ከተማ ሴንትፒተርስበርግ ፈላማይ መድረኽ ኣቕሪቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኪን-ኢትዮጵያ ብስራት ብራኸ ኢትዮጵያ መድኽ ባህልን ጥበብን ኣብ ራሺያ ከተማ ሴንትፒተርስበርግ ፈላማይ መድረኽ ኣቕሪቡ።
ኣብቲ መድረኽ ምርኢት ሙዚቃን ባህላዊ ኣከዳድናን ብሄራት ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ተኻይዱ።
ነበርቲ ከተማ ሴንትፒተርስበርግ በቲ ዝቐረበ ምርኢት ብዛዕባ ኢትዮጵያ ባህልን ሙዚቃን ምርድኦም ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ኣብ መድረኻት ዓለም ብጥበብ ናይ ምግላፅ ልኡኽ ዝተሓንገጠ ኪን-ኢትዮጵያ፥ ቅድመ ሐዚ ኣብ ቻይና ምርኢቱ ምቕራቡ ይዝከር።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!