ዓወት ግድብ ህዳሰ ኣብ ካልኦት ስራሕቲ ልምዓት ንምድጋም ክንረባረብ ኢና- ኣይተ ኣወሉ ኣብዲ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣወሉ ኣብዲ ህዝቢ ብምትሕብባር ኣብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝተረኸበ ዓወት ኣብ ካልኦት ስራሕቲ ሰላምን ልምዓትን ንምድጋም ክንረባረብ ኢና ኢሎም።
“ብሕብረት ክኢልና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ምዝዛም ግድብ ህዳሰ ኣነልኪቱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ሰልፊ ድጋፍ ይካየድ ኣሎ።
ኣብ ከተማ ኣሰላ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ዝተረኸቡ ኣይተ ኣወሉ ኣብዲ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ህዝቢ እቲ ክልል ንህንፀት እቲ ግድብ ቦንድ ብምዕዳግን ህያብ ብምብርካትን ሓገዝ እናገበረ ፀኒሑ ኢሎም።
ኣብ ቀፃሊ እውን ህዝቢ ብምትሕብባር ኣብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝተረኸበ ዓወት ኣብ ስራሕቲ ህንፀት ሰላም፣ ምኽባር ናብራ ኣብ ምርግጋእን ኣወሃህባ ኣገልግሎት ኣብ ምምሕያሽን ንምድጋም ብዕቱብ ከምዝስራሕ ሓቢሮም፡፡
ብፍላይ ዘላቒ ሰላም ንኸዓስል ናብ ሰላም ዝመፅኡ ኣካላት ናብ ስሩዕ ህይወት ክምለሱ ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝኾነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።