ድሕሪ 10 ዓመት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም መድረኽ ተፀዋዒ ክኸውን ኢዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኢትዮጵያ ድሕሪ 10 ዓመት ኣብ መድረኻት ኩዕሾ እግሪ ኣፍሪካን ዓለምን ስሙይ ሃገራት ጋንታ ክህልዋ ኢዩ ኢሎም፡፡
በቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዝተፅሓፈ መፅሓፍ ‘የመደመር መንግስት’ ንንባብ በቒዑ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ እታ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ህጉራዊን ዓለም ለኸዋን መድረኻት ውፅታኢታዊ ንኽኸን ዘኽእሉ ስራሕቲ እናተወገኑ ይርከቡ፡፡
ኣብ ውሽጢ ክልተን ሰለስተን ዓመት ጥንኩር ሃገራዊት ጋንታ ምህናፅ ከቢድ ክኸውን ይኽኣል እምበር፥ ድሕሪ 10 ዓመት ኣብ መድረኽ ኣፍሪካን ዓለምን ተፀዋዒ ሃገራዊት ጋንታ ጋህዲ ንምግባር መንግስቲ ብቖራፅነት እናሰርሐ ይርከብ ኢሎም፡፡
እዚ ብትምኒት ዘይኮነስ ብስራሕ ዝተሃነፀ ኢዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፥ ንኣብነት ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ 100 ማእኸለዎት ስታዲየማት ከምዝተሃነፁ ሓቢሮም፡፡
እዞም ስራሕቲ ንዕቤት ኩዕሾ እግሪ ወሰንቲ ከምዝኾኑ ብምሕባር፥ እዚ ምስራሕ እንተይከኣልካ ኣብ መስኮት ቴሌቪዥን ብምርኣይት ምንሳሕ ጥራሕ ዝልውጦ ነገር ከምዘይህሉ ኣብሪሆም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ንፅባሕ ውፅት ናይ ሎሚ ስራሕ መሰረት ከምዝኾነ ብምሕባር፥ መንግሰቲ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው መሰረት ዝኾኑ ስራሕቲ እናወገነ ከምዝርከብ ተዛሪቦም፡፡
ብኣቤል ነዋይ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!