Fana: At a Speed of Life!

“የመደመር መንግስት” ካብ ትማሊ ባርነት ነፃ ኮይኑ ንምኽንያታዊነት ትኹረት ዝሃበ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) መፅሓፍ “የመደመር መንግስት” ሂሳዊ ዳህሳስ ዘቕረቡ ሙሁር “የመደመር መንግስት” ካብ ትማሊ ባርነት ነፃ ኮይኑ ንምኽንያታዊነት ትኹረት ዝሃበ እዩ ኢሎም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ናይ ምድማር ሓሳብ ዝፅሓፉ 4ይ መፅሓፍ “መንግስት መደመር” ተመሪቑ ንምንባብ በቒዑ፡፡

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ሓዊሱ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ፣ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ሓለፍቲ ከምኡ እውን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ተረኺቦም።

ኣብ ዳህሳስ መፅሓፍ ዝተረኸቡ ምምህር ፍልስፍና ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ዳኛቸው ኣሰፋ (ዶ/ር)፤ እቲ መፅሓፍ ንዓለምለኻዊ ፀገማት ኢትዮጵያ ኩለመዳያዊ ስነ-ሓሳባዊ ትንተናን ግብራዊ መልሲ ዝህብ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ንፀገማት ዝርዳእ ኩለመዳያዊ መፍትሒ ምቕብ ከምዝግባእ ብግልፂ ምቕማጡ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ካብቲ ሓደ መንገዲ ጥራይ ካብ ዝኽተል ባርነት መውፅኢ ኣካይዳ እዩ ኢሎም።

እቲ መፅሓፍ ዝሓዞም ትንታነታት ኣብ ምኽንያት ዝተመርኮሱን ንምኽንያት ክፍቲ ምዃኖምን ወሲኾም ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣበይ ከምዘላን መፃኢ ጉዕዞኣ እንታይ ክመስል ከምዘለዎን እቲ መፅሓፍ ብንፁር ከምዝገለፀ እውን ገሊፆም።

ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ዜጋታት ምትሕብባርን ምድግጋፍን ንክህልው መገዲ ብምርኣይ ሰላምን ምትሕግጋዝን ንምድንፋዕ ዝርዝር ሓሳባት ከምዘቕረበ እውን ሓቢሮም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.