በዓል መስቀል ብድምቀት ንኽኽበር ኣድላዪ ሓገዝ ይግበር ኣሎ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ በዓል መስቀል ብድምቀት ንኽኽበር እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣድላዪ ሓገዝ ይገብር ኣሎ ኢለን።
እተን ከንቲባ ምድላው በዓል መስቀል ዳሜራን ሓገዝ እቲ ምምሕዳር ከተማን ኣመልኪተን ምስ ኣባላት ኣሰናዳኢ ኮሚቴ በዓል መስቀል ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ተዛቲየን።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ እዋን ዘተ፤ በዓል ዋና እቲ በዓልን እትመርሖ፤ ተተሓባብሮ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ትኹን እምበር እቲ በዓል ልዑል ቁፅሪ ዘለዎ ህዝቢ ኣብ ኣደባባይ ዘኽብሮ ሃፍቲ ሃገር ኢ ኢለን።
በዓል መስቀል ድምቀት ከተማና፣ መስሕብ ቱሪዝም ኢዩ ብምባል፤ ሃይማኖታዊ ትውፊቱን ሕብረትን ብዘጠናኽር መልክዑ ብድምቀት ንኽኽበር እቲ ምምሕዳር ከተማ ሓገዝ እባገበረ ከምዝርከብ ኣብሪሀን።
ንበዓል መስቀል ጥራሕ ዘይኮነስ ካልኦት ናይ ኣደባባይ ክብረ በዓላት እንትኽበሩ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፀን።
ኣብቲ እዋን ዘተ ዝተሳተፉ ኣቦታትን ኣባላት እቲ ኮሚቴን በዓል መስቀል ዳሜራ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ሓዊሱ ኣብ 2 ሺሕን 375 ደብሪታትን ቦታታትን ከምዝኽበር ብምሕባር፤ ንሓገዝ እቲ ምምሕዳር ከተማ ምስጋና ኣቕሪቦም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!