Fana: At a Speed of Life!

ኒውክሌር ቴክኖሎጂ ንሕክምና፣ ንውሕስና ምግቢን ምሕደራ ማይን ልዑል ኣስተዋፅኦ የበርክት – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኒውክሌር ቴክኖሎጂ ንሕክምና፣ ንውሕስና ምግቢን ምሕደራ ማይን ልዐል ኣስተዋፅኦ የበርክት ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር እዚ ዝበሉ ምስ ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ልምዓት ኒውክሌር ኣመልኪቶም ክልተኣዊ ልዝብ ኣብ ዝገበሩሉ እዋን ኢዩ፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)÷ ኢትዮጵያ ንቑሓት መናእሰይ ዝርከቡላ ከምዝኾነት ብምሕባር፥ ኣብ ወሳኒ ጎደና ዕቤት ከምትርከብ ኣመልኪቶም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ከተማታት እናዘመና ከምዝርከባን ኢንዱስትሪታት ኣብ ምዕባይ ከምዝርከቡን ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ቅልጡፍ ዕቤት እናርአያ ካብ ሞንጎ ዝርከባ ጋገራት ሓደ ከምዝኾነ ፀሪሖም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ዘፈር ሓምለዋይ ሓይሊ ኣብነት ኮይና ከምዝፀንሐት ብምሕባር፥ ንኣብነት እውን ኣብ ቀረባ እዋን ተዛዚሙ ንምረቓ ዝበቕዐ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ ዘለዋ ቆራፅነት ዘርኢ ኢዩ ኢሎም፡፡

ራኢና ካብ ሎሚ ዝተሳገረ ብምዃኑ ዝተፈላለዩ ኣማራፂታት ልምዓት ተግባራዊ ክንገብር ኢና ኢሎም፡፡

ኒውክሌር ቴክኖሎጂ ንዕቤት ኢትዮጵያ ወሳኒ ከምዝኾነ ብምሕባር፥ ንሕክምና፣ ንውሕስና ምግቢ፣ ንምሕደራ ማይን ንዕቤት ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ ኣብሪሆም፡፡

ብሚኪያስ ኣየለ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.