በዓል መስቀል ደመራ ካብ እዋን ናብ እዋን ድምቀቱ እናወሰኸ ይኽበር ኣሎ- ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)በዓል መስቀል ደመራ ካብ እዋን ናብ እዋን ድምቀቱ እናወሰኸ ይኽበር ኣሎ ኢለን ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ።
በዓል መስቀል ደመራ 2018 ዓ.ም ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ መስቀል ኣደባባይ ይኽበር ኣሎ።
ኣብቲ በዓል መልእኽተን ዘመሓላለፋ እተን ከንቲባ፥ ነበርቲ ከተማ ንዝኾኑ ሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ እንቋዕ ንበዓል መስቀል ደመራ ብሰላም ኣብፀሐኩም ኢለን።
እቲ በዓል እንትነኽብር ካብ ኣረጊት ዘበን ካብ ደበናን ዝናብን ዝበዝሖ እዋን ናብ ብርሃን እንሰጋገረሉ እዋን ዘርእይ ኢዩ ኢለን።
ከም ሃገር ንዘበናት ፀልማት ዝገፈሉን ህዝብታት ሃገርና ከም ደመራ መስቀል ተደሚሮም ብሓድነት ብምርብራብ ንፍፃመ ዘብቅዑዎ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝተዛዘመሉን ንሃገርና ብርሃን ዝመፅአሉን እዋን ብምዃኑ እንቋዕ አሐጎሰና ክብላ ገሊፀን።
እቲ ታሪካዊ ዓወት ኢትዮጵያዊያን ብብዙሕ ፈተናታት ዝተረኸበ ዓወት ምዃኑ እውን ኣብሪሀን።
በዓል መስቀል ደመራ ኣብ ዩኔስኮ ብቕርስነት ተመዝጊቡ ንኢትዮጵያ ብብርኪ ዓለም ከምዘፋለጠ ተዛሪበን።
ብዮናስ ጌትነት
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!