Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኮፕ30 ቅዋም ኣፍሪካ ንምግዋሕ ሩሲያ ሓገዝ ክትገብር ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብርት ኣፍሪካ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ ምስ ኣምባሳደር ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያን ተወካሊ ሕብረት ኣፍሪካን ኢቭጌኒ ተርክሂን ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተዛቲዮም።

ዘተኦም ድማ ብዛዕባ ምትሕብባር ሩሲያን ሕብረት ኣፍሪካን፣ ምድላው ካልኣይ ኮንፈረንስ ሚኒስትራት ሩሲያ ኣፍሪካ፣ ዕቤት ሃገራት ዞባ ሳሕል፣ ሕብረት ኣፍሪካ ዝመርሖራ ሓለዋ ሰላም ሶማሊያን ህንፀት ዓቕሚን ዘድሀበ ኢዩ፡፡

ክልቲኦም ወገናት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2025 ወርሒ ሕዳር ኣብ ብራዚል ዝካየድ ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ (ኮፕ30) ሕቡራት መንግስታት ቅዋም ኣፍሪካ ንምግዋሕ ምትሕብባር ንምግባር ተስማዕሚዖም፡፡

እቶም ኣቦ መንበር ሩሲያ ኣብ መምርሒ ተደሪኻ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ሕቡራት መንግስታት እውን ንሃገራት ኣፍሪካ ትገብሮ ሓገዝ ምስጋና ኣቕሪቦም።

አምባሳደር ተርክሂን ብግደኦም ኣብ መበል 80 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት መንግስታት ኣህጉር ኣፍሪካ ኣብ መድረኽ ዓለም ትኹረት ንኽረክብ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ንዝገበሮ ፃዕሪ ናእደኦም ለጊሶም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.