ምልክት ሰላምን ዕርቀ ሰነያን ሲንቄ…
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ንኣደታት ኦሮሞ ብቑመተን ልክዕ ብዝተሰናደአትን ቀጥ ካብ ዝበለ ምሩፅ ዘንጊ ሃሮሬሳ እትዳሎን በትሪ ሲንቄ፥ ዝተመርዐወት ጓል ተንስተይቲ እትሕዞ መፍለይአን ኢዩ።
በትሪ ሲንቄ ብቐሊሉ ዘይስበር፣ ጓል ኣብ መዓልቲ መርዓ ብኣዲኣ ንመርዓት ዝወሃብ ናይ ክብሪ ውህብቶ እንትኸውነ፥ ኣብ ባህሊ ኦሮሞ ልዑልን ፍሉይን ቦታ ይወሃቦ።
እዛ ብበትሪ ሲንቄ ንምርኣይ ብዝስሕብን ቀላል ግን ፅባቐን ጥንካረን ንክህልዋ ብሳዕሪ ኣብ ዝተሰርሐ ገዛ ትኪ ኣብ ዘለዎ ቦታ ትቕመጥ።
እታ ጓል ኣነስተይቲ ሰላም እትሰብከሉ፣ ዕርቀ ሰነያ እተውርደሉ በትሪ ሲንቄ ኣብ መንጎ ተፃባእቲ ዘሎ ፅልኢ ናይ ምዝሓል ሓይሊ ኣለዋ።
ብሃደ ሲንቄታት እትተሓዝ እታ ምልክት ሰላምን ዕርቀ ሰነያን ዝኾነት በትሪ ሲንቄ ንእንስሳት ፍፁም ኣይውቀዐላን።
ኣብቲ ከባቢ ዘይምርድዳእ አንትፍጠር ሃደ ሲንቄታት በትረን ሒዘን ዕልል እናበላ ብምውፃእ ብቐጥታ ኣብ መንጎ እቶም ተበሃስቲ በትረን የቐመጣ።
እታ በትሪ ፈፂሞም ኣይሳገርዋን፤ እቲ ዝነበረ ባእሲ እውን ይዝሕል።
ሃደ ሲንቄ ኣረጋሽ ገዳ መስ ፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝገበርኡ ፃንሒት፥ ንሕና ዝተፃልአ ብምትዕራቕ ንክፋተዉን ሕውነት ንክፈጥሩን ንከብር ኢለን።
ብዮናስ ጌትነት
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!