Fana: At a Speed of Life!

ዓውዲ ኢንዱስትሪ መፍረያይነት ብዝበለፀ ንምድንፋዕ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ዝተፈጠሩ ዕድላት ንመፍረያይነት ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ ዕዙዝ ግደ ኣለዎም ኢሎም ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል፡፡

ዓውዲ የአምራች ኢንዱስትሪ ዓቕሚ ምፍራይ ንምዕባይ ዘኽእል መድረኽ ዘተ ይካየድ ኣሎ፡፡

ኣይተ መላኩ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ መንግስቲ ንዓውዲ ኢንዱስትሪ ዝሃቦ ትኹረት ቀፃልነት ዘለዎ ዕቤት ንኽምዝገብ ዕድል ፈጢሩ።

መፍረያይነት ኢንዱስትሪ ምውሳኽን ዕቤት ዓውዲ መፍረዪ ንምዕባይ ዘኽእሉ ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ፖሊሲ፣ ስትራቴጂን ትካላት ዘጠናኽሩ መመሓየሺ ስራሕቲ ከምዝተወገኑ ሓቢሮም።

ብጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ቀረብ መሰረተ ልምዓትን መካተቲ ልምዓት ኢንዱስትሪ ተግባራዊ ምግባሩ እቲ ዓውዲ ንምንቕቓሕ ልዑል ዕድል ፈጢሩ ኢዩ ኢሎም፡፡

ብፅሒት ዕዳጋ እቲ ኢንዱስትሪ 30 ሚኢታዊ ከምዝነበረ ብምሕባር÷ ብዝተወገኑ ተግባራት ለውጢ መጠኑ ናብ 45 ሚኢታዊ ክብ ክብል ምግባር ከምዝተኽኣለ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.