ኢሬቻ ምብራኽ ሃገር ዝድግፍ ክብረ በዓል ኦሮሞ ኢዩ – ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢሬቻ ምብራኽ ሃገር ዝድግፍ ክብረ በዓል ኦሮሞ ኢዩ ኢሎም ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፡፡
እቶም ርእሰ ምምሕዳር ፅባሕ ኣብ ሆረ ፊንፊኔ ከምኡ እውን ድሕሪ ፅባሕ ሰንበት ኣብ ሆረ ሃርሰዴ ዝኽበር በዓል ኢሬቻ ኣመልኪቶም መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም፡፡
ኣይተ ሽመልስ ኣብ መልእኽቶም ከምዝበሉዎ፥ ኢሬቻ ህዝቢ እዋን ፀልማት ሓሊፉ ዝራኸበሉ ናይ ብርሃን ግዘ ምብፅሑ ዘበስረሉ ከምኡ እውን ብሓድነት ብምትእኽኻብ ንኣምላኹ ዝመስግነሉ በዓል ኢዩ፡፡
ዝማዕበላ ሃገራት ምስጢር ዕቤተን ንፍልስፍና ሃገር በቆል ትኹረት ምሃበን ከምዝኾነ ብምፅራሕ፥ መንግስቲ ነባር ባህላዊ ክብሪታት ብምጥቃም ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ፀገማት ንምፍታሕ እናሰርሐ ከምዝኾነ ኣልዒሎም፡፡
ኢሬቻ ኣብ ፍልስፍና ሃገር በቆል ተደረኸ ክቡር በዓል ህዝቢ ኦሮሞ ኢዩ ዝበሉ እቶም ርእሰ ምምሕዳር፥ ሕብረት ዘጠናኽር፣ ሓድነትን ዘጥንዕ ከምኡ እውን መንነት ህዝቢ ኦሮሞ ክብ ብምባል ዘርኢ በዓል ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡
ኣብዚ ዓመት ንዝተረኸቡ ዓወታት ብምምስጋን ንዝመፅእ ድማ ሰናይ ንኽኸውን ብባህሉ መሰረት ዓወት ዝሰብከሉ ዓብዪ በዓል ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡
ኢሬቻ ካብ ባህላዊ ክብሪታት ዘፈንገጡ ተግባራት ብምክልኻልን ምስ ካልኦት ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ዘለዎ ምትእስሳር ብምጥንኻር ብፍቕሪ ከምዝኽበር ኣገንዚቦም፡፡
ናይዚ ዓመት በዓል ኢሬቻ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ተመሪቑ ስራሕ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ምኽባሩ ፍሉይ ከምዝገብሮ ብምሕባር፥ ኣብቲ በዓል ንምስታፍ ንዝመፅኡ ኣጋይሽ መልእኽቲ እንኳዕ ደሓን መፃእኹም ኣመሓላሊፎም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!