ስነ ስርዓት መኽፈቲ 5ይ ዓመት ዘበን ስራሕ ኣቢያተ ምኽሪ ባይቶ ወከልቲ ሀዝቢን ፌዴሬሽንን ሎሚ መዓል ክካየድ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)6ይ ስነ ስርዓት መኽፈቲ 5ይ ዓመት ዘበን ስራሕ ባይቶ ወከልቲ ሀዝቢን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ፌዴሪኢ ሎሚ መዓል ክካየድ ኢዩ፡፡
ናይ ሓደ ዓመት ዘበን ስራሕ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዲሪኢ ካብ መወዳእታ ሰሙን ሰኑይ ወርሒ መስከረም ክሳብ 30 ሰነ ከምዝኾነ ተደንጊጉ ኢዩ፡፡
ብመሰረት እዚ ድማ 6ይ ዘበን 4ይ ዓመት ዘበን ስራሕ እቲ ባይቶ ዝተዛዘመ እንትኸውን÷ መኽፈቲ ስነ ስርዓት 5ይ ዓመት ዘበን ስራሕ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ኣብ ዝተረኸቡሉ ሎሚ መዓልቲ ድሕሪ ቀትሪ ካብ ሰዓት 8 ጀሚሩ ክካየድ ኢዩ፡፡
ፕሬዚዳንት ታዬ ንክልቲኦም ኣቢያተ ምኽሪ ዓመታዊ ስረሖም ከምዝጀመሩ ብምብሳር ዓመታዊ ትልሚ መንግስቲ ፌደራል ከቕርቡ ኢዮም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!