ኢትዮጵያን ኳታርን ናይ ኢንቨስትመንት ምትሕብባረን ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያን ኳታርን ኣብ ልምዓትን ኢንቨስትመንትን ዘለወን ምትሕብባር ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን፡፡
ሚኒስትር ገንዘብ ኣህመድ ሺዴ ጎድና ጎድኒ ዓመታዊ ኣኼባ ባንኪ ዓለምን ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ (ኣይኤምኤፍ)ን ምስ ኳታር መዘነኦም ቢን ኣህመድ ኣል ኩዋሪን ዋና ዳይሬክተር ፈንድ ልምዓት ኳታር ፋሃድ ሃማድ ኣል ሱለይቲን ተዛቲዮም።
ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት፣ ኢንቨስትመንትን ልምዓትን ስትራቴጂያዊ ምሕዝነት ንምፍጣርን ዘለወን ምትሕብባር ምዕባይ ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ጠሚቶም ተዛቲዮም፡፡
ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ኣብቲ እዋን ዘተ፤ ኣብ ኢትዮጵያ እናዓበየ ዝመፅአ ዕድል ኢንቨስትመንት ብምሕባር፥ ሰብ ሃፍቲ ኳታር ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ዓውዲታት ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ፣ ሕርሻ፣ ቱሪዝምን ካልኦትን ንኽዋፈሩ ኣድላዪ ሓገዝ ከምዝገብር ኣረጋጊፆም፡፡
ኢትዮጵያ ምስ ኳታር ዘለዋ ምሕዝነት ክብ ብዝበለ ደረጃ ትሪኦ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፥ ክልተኣዊ ምትሕብባር እተን ሃገራት ምጥንኻር ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣልዒሎም፡፡
ተግባራት መመሓየሺ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዝነኣዱ ሚኒስትር ገንዘብ ኳታር ኣሊ ቢን ኣህመድ ኣል ኩዋሪ ብግደኦም፥ ኣብ ፕሮጀክታት ንግዲን ኢንቨስትመንትን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ዓሚቕ ዓቕሚ ከምዘሎ ሓቢሮም፡፡
ፈንድ ልምዓት ኳታር መካተቲ ዕቤት ንምርግጋፅ ከምኡ እውን ንግዲን ኢንቨስትመንትን ንምድንፋዕ ዘኽእሉ ፕሮጀክታት ንድጋፍ ድሉው ከምዝኾኑ ዘረጋግፁ ድማ ዋና ዳይሬክተር እቲ ትካል ፋሃድ ሃማድ ኣል ሱለይቲ ኢዮም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!