ኣብ ኡጋንዳ ብዘጋጠመ ሓደጋ ተሽከርከርቲ 63 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኡጋንዳ ካምፓላ ኣውራ ጎደና ጉሉ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምግጫው ተሽከርከርቲ ህይወት 63 ሰባት ሓሊፉ።
ፖሊስ እታ ሃገር ከምዝሓበሮ÷ እቲ ሓደጋ ብተፃራሪ ኣንፈት ይጓዓዛ ዝነበራ ክልተ ኣውቶቡሳት መኪና ደሪበን ንምሕላፍ እንትፍትና ዘጋጠመ ኢዩ።
ካብ ካምፓላ ናብ ከተማ ጉሉ ኣብ ዝወስድ ኣውራ ጎደና ጉሉ ኣብ ዘጋጠመ ሓደጋ እተን ኣውቶብሳት ተጋጭየን ሚዛነን ብምስሓት ሓደጋ ምግልባጥ ከምዝበፅሐን ኢዩ ፖሊስ ገሊፁ ዘሎ።
በቲ ሓደጋ ብዙሓት ሰባት ከቢድን ቀሊልን ጉድኣት በፂሑዎም ናብ ሆስፒታል ከምዝተወሰዱ እውን ኣመልኪቱ።
ፖሊስ ኣብቲ ሓገዳ ምርመራ ከምዝተጀመረ ምግላፁ ቢቢሲ ፀብፂቡ።
ብዮናስ ጌትነት
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!