Fana: At a Speed of Life!

ምሕዝነት ልምዓት ኣብ ምጥንኻር ልዑል ውፅኢት ተረኺቡ – ኣይተ ኣህመድ ሺዴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዓመታዊ ኣኼባ ባንኪ ዓለምን ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ (ኣይኤምኤፍ)ን ዝነበረ ፃንሒት ምሕዝነት ልምዓት ኣብ ምጥንኻር ልዑል ውፅኢት ረኺብና ኢሎም ሚኒስትር ገንዘብ ኣህመድ ሺዴ።

እቶም ሚኒስትር ኣብቲ ዓመታዊ ኣኼባ ልኡኽ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ፃንሒት ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፤ እቲ ልኡኽ ዕዉት ተሳትፎ ብምግባር ስርሑ ዛዚሙ ኢሎም።

ኣብቲ ኣኼባ ዝተማለአ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዘጠናኽሩ ሓገዛት ክቕፅሉ ንምግባር ብወገን ኣይኤምኤፍ ዘሎ ርክብ ብዝበለፀ ምጥንኻር ዝተኽኣለሉ ውፅኢታዊ ዘተ ገይርና ክብሉ ሓቢሮም።

ኣብቶም ልዝባት ምስ ዋና ዳይሬክተር ይኤምኤፍ ክሪስታሊና ጆርጂዬቫን ካልኦት ሓለፍቲን ኣብ ዝተገበሩ ልዝባት ንሪፎርም ዝተማለአ ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዝገብሩዎ ሓገዝ ኣጠናኺም ንኽቕፅሉ ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ ገሊፆም።

ምስ ፕሬዚዳንት ባንኪ ዓለም ኣጃይ ባንጋ ኣብ ዝተገበረ ዘተ እውን ኣብ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚን ልምዓት ፋይናንስን ዝግበር ሓገዝ ተጠናኺሮም ኣብ ዝቕፅሉሎም ጉዳያት ምይይጥ ከምዝተገበረ ኣልዒሎም።

ካብዚ ብተወሳኺ ምስ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ትካላት ፋይናንስ ኣብ ዝተገበረ ሰፊሕ ዘተ መሓዙት ልምዓት ሪፎርም ኢኮኖሚን ዕቤትን ኢትዮጵያ ንኽሕግዙ ኣብ ፅቡቕ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ብዝተፋላለዩ ዘፈራት ዘመዝገበቶ ውፅኢትን ሓፈሻዊ ኢኮኖሚያዊ ዕቤትን ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ብኣብነት ብምቕራብ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ብብርኪ ዓለም ኣፍልጦ ከምዝረኸቡ ተራኢዩ ኢዩ ኢሎም።

ብሓፈሻ ምኽዝነጽ ልምዓት ኣብ ምጥንኻርን ውፅኢት ሪፎም ኣጠናኺርካ ንምቕፃል ዘኽእል ሓገዝ ዝተረኸበሉ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እቶም ስራሕቲ ልምዓት ልዑል ተቐባልነት ዝረኸቡሉ ኢዩ ኢሎም።

ብዮናስ ጌትነት

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.