ትሕዝቶታት ሃገር ለኸ ፈተና 2018 ዓ.ም 12 ክፍሊ ዕላዊ ኮይኖም
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣገልግሎት ፈተናታት ትምህርቲን ምዘናናን ትሕዝቶታት ሃገር ለኸ ፈተና 12 ክፍሊ ዘበነ ትምህርቲ 2018 ዕላዊ ገይሩ፡፡
ዋና ዳይሬክተር እቲ ኣገልግሎት እሸቱ ከበደ (ዶ/ር) ንፋና ዲጂታል ከምዝበሉዎ÷ መዛዘሚ ፈተና 12 ክፍሊ ተፈተንቲ ካብ ብሕዚኡ ኣድላዪ ምድላው ክገብሩ ኣለዎም፡፡
ተምሃሮ፣ ስድራ ተምሃሮ፣ መምህራንን ኣመራርሓ ትምህርቲን ንፈተና ምድላው ኣብ ዝገብሩሉ እዋን ፈተና ዝሽፍኖም ከባቢታት ትሕዝቶ ምፍላጥ ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም፡፡
ብመሰረት እዚ ንፈተና ምድላው ዝግበረሎም ዓይነታት ትምህርቲ ብዝምልከት ንተፈተንቲ ተፈጥሮ ሳይንስ እንግሊዘኛ፣ ሒሳብ፣ እስኮላስቲክ ኣፕቲትዩድ፣ ኬሚስትሪ፣ ፊዚክስን ባዮሎጂ ኢዮም፡፡
ንተፈተንቲ ማሕበራዊ ሳይንስ ድማ እንግሊዘኛ፣ ሒሳብ፣ እስኮላስቲክ ኣፕቲትዩድ፣ ታሪኽ፣ ጂኦግራፊን ኢኮኖሚክስን ከምዝኾኑ ተዛሪቦም፡፡
እቲ ፈተና ካብ 9ይ ክሳብ 12 ክፍሊ ዘለዉ ደረጃታትን ኣብ መፅሓፍ ተምሃሮ ዘለዉ ኩሎም ምዕራፋትን ዝሽፍን ኢዩ ኢሎም፡፡
ካብ 10ይ ክሳብ 12 ክፍሊ ኩሉ ዓይነት ፈተና ብመሰረት ሓዱሽ ስርዓተ ትምህርቲ እናተሰናደአ ከምዝርከብ ኣመልኪቶም፡፡
ኣብ 9ይ ክፍሊ ድማ ናይ ኩሎም ዓይነታት ትምህርቲ ፈተናታት ካብ ነባርን ሓዱሽን ስርዓተ ትምህርቲታት ሓበራዊ ትሕዝቶታት ጥራሕ ኣካቲቱ ዝተሰናደአ ከምዝኾነ ሓቢሮም፡፡
እቲ ፈተና ዝኾነ ይኹን ተፈታኒ ተምሃራይ ካብ ዝተምሃሮ ስርዓተ ትምህርቲን ካብ መፅሓፍ ተምሃራይን ጥራሕ ተመርኲሱ እናተሰናደአ ይርከብ ኢሎም፡፡
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!