Fana: At a Speed of Life!

ፈተናታት ኣጠንኪሮሙና ብፅንዓት ንክንሰርሕን ውፅኢት ክንረክብን ገይረሙና-ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝረኣናዮም ፈተናታትን መከራታትን ኣጠንኪሮሙና ብፅንዓት ንክንሰርሕን ውፅኢት ክንረክብን ገይረሙና ኢሎም ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)።

ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ካብ 2018 ዓ.ም ናይ መጀመሪታ 100 መዓልታት ኣብ ገምጋም ኣፈፃፅማ ማክሮ ኢኮኖሚ  መድረኽ ኣብ ኮይሻ ግድብ ምስ ሚኒስትራትን ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕን ዘቲዮም።

እቶም ቀደማይ ሚኒስትር ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ኣብ ለውጢ ዓመታት ጠመተ ካብ ዝሃብናዮም ስራሕቲ ሓደ ኢትዮጵያን ፀጋታታን ምፍላጥ ኢዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ጉዕዞ ምዕባለኣ ብምዕዋት ዝግበኣ ስፍራ ክትሕዝ ኢያ ብምባል ገሊፆም።

ብቕዓትን ዓቕሚን ኢትዮጵያ ብዝግባእ ምግንዛብ ሃገር ንምስራሕ ቁልፊ ግደ ከምዝፃወት ሓቢሮም።

በዚ ከይዲ ብዙሓት ዓቕሚ ዘርእዩ ስራሕቲ ምክያዶም ብምግላፅ፥ ንኣብነት ፓርክ ጨበራ ጩርጩራን ግድብ ኮይሻን ፕሮጀክትታት ሓቢሮም።

ሃገሩ ዝፈልጥን ብሃገሩ ክብሪ ዝስምዖን ሰብ ተጊሁ ንምስራሕን ሕድሕድ ዕለት ንምልዋጥን ዕድል ገይሩ ከምዝወስድ ተዛሪቦም።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝረኣናዮም ዝረኣናዮም ፈተናታትን መከራታትን ኣጠንኪሮሙና ብፅንዓት ንክንሰርሕን ውፅኢት ክንረክብን ገይረሙና ኢሎም።

ኢትዮጵያ ከም እትምዕብልን ዝግበኣ ስፍራ ከም እትሕዝን ምንም ጥርጥር የብሉን ክብሉ ኣረጋጊፆም።

እዚ ራእይ ንምዕዋት ፃዕሪን ድኻምን ሕድ ሕድ ዜጋ ከምዝሓትት ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.