ኬቨን ዴብሩይን ንዊሕ እዋን ካብ ሜዳ ክርሕቕ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቤልጂየማዊ ተፃዋቲ ክፍሊ ምክፍፋል ጋንታ ናፖሊ ኬቨን ዴብሩይን ኣብ ጭዋዳኡ ብዘጋጠሞ ጉድኣት ንነዊሕ እዋን ካብ ሜዳ ክርሕቕ ኢዩ፡፡
እቲ ተፃዋታይ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ጋንትኡ ናፖሊ ንኢንተር ሚላን 3 ን 1 ኣብ ዝሰዓረትሉ ፀወታ ፍፁም ቅላዕ ኣብ ዘመዝገበሉ ሰዓት ናይ ጭዋዳ ምስሕሓብ ጉድኣት ኣተኣናጊዱ ተቐይሮ ምውፅኡ ይዝከር፡፡
ዴብሩይን ብዝተገበረሉ ምርመራ ከቢድ ምስሕሓብ ጭዋዳ ዘጋጠሞ እንትኸውን፥ በዚ ድማ ንነዊሕ እዋን ካብ ሜዳ ከምዝርሕቕ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡
ነበራ ተፃዋታይ ጋንታ ማንቼስተር ሲቲ ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ብናፃ ዝውውር ናብ ናፖሊ ምፅምባሩ ይዝከር፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!