ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ምስ ሴኔጋል ፀወታኣ ክትገብር እያ
ኣዲስ ኣበባ፣19 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ መፃረዩ ፅዋዕ ኣፍሪካ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ምስ መዘንኣ ጋንታ ሴኔጋል ሎሚ ፀወታኣ ክተካይድ እያ።
ዋሊያታት ድሕሪ ዓመታት ኣብ ሃገሮም ዝገብርዎ ፀወታ ሰዓት 10 ቀትሪ ኣብ ስታዲየም ባህርዳር ክካየድ እዩ።
ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ፣ ኬንያ፣ ዩጋንዳን ታንዛንያን ብሓባር ንዘዳልውዎ ናይ 2027 መፃረዩ ፅዋዕ ኣፍሪካ ኣብ ምድብ 10 ተመዲባ ኣላ።
ዋሊያታት ኣብ ቀዳማይ ናይ መፃረዩ ፀወታ ኣብ ሱዳን 1 ን 0 ክሰዓሩ እንከለዉ፣ ሃገራዊት ጋንታ ሴኔጋል ብኻልእ ወገን ምስ ሞዛምቢክ 1 ን 1 ተፈላልየን።
ብወገን ኢትዮጵያ መስፍን ታፈሰ ብምኽንያት ቅፅዓት በረከት ወልዴ ድማ ብምኽንያት ጉድኣት ኣብ ሎሚ ፀወታ ወፃኢ እንትኾኑ፤ ብወገን ሴኔጋል ድማ ብካፍ ቅፅዓት ዝተነበረሎም ኢሊማን ኒጃዬን ኢስማኤላ ሳርን ኣብዚ ፀወታ ኣይሰለፉን።