ስልጠና ላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ይካየድ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓመታዊ ስልጠና 2018 ላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ይካየድ ኣሎ።
እቲ ስልጠና፥ “ብመርኣዪ ናይ ምድማር መንግስቲ፣ መርኣዪ ዓውዲታት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንዝቕፅሉ 10 መዓልታት ከምዝወሃብ ተሓቢሩ።
እቲ መርሃ ግብሪ ናይ ኣመራርሓ ፍልጠት፣ ክእለትን ዓቕሚን ዝሃንፁ ዝተፈላለዩ ርእሰ ጉዳያት ዝቐርብሉ ኢዩ።
ኣብቲ ስልጠና ልዕሊ 2 ሺሕ ካብ ፌዴራልን ክልላትን ዝተውፃእፅኡ ላዕለዎት ኣመራርሓ ተሳቲፎም።
ጎድኒ ንጎድኒ እቲ ስልጠና ዑደት ስራሕቲ ልምዓት ክካየድ ኢዩ።