ኣብ ኣሜሪካ ብሓደጋ ምሕምሻሽ ናይ ፅዕነት ኣውሮፕላን ህይወት 7 ሰባት ሓሊፉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ኬንታኪ ትማሊ ምሸት ብዘጋጠመ ሓደጋ ምሕምሻሽ ናይ ፅዕነት ኣውሮፕላን ዩፒኤስ ህይወት 7 ሰባት ሓሊፉ፡፡
የእታ ናይ ፅዕነት ኣውሮፕላን ካብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ሉዊስቪል ሙሓመድ ዓሊ ምብራር ምስጀመረት ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ከምዝተሓምሸሸት ተሓቢሩ፡፡
ኣመሓዳሪ ግዝኣት ኬንታኪ ኣንዲ በሺዬር÷ እታ ናይ ፅዕነት ኣውሮፕላን ካብ መሬት ምስተልዓለት ብዙሕ እንተይፀንሐት ሓደጋ ምፍንጃር ከምዘጋጠማ ኣብሪሆም፡፡
በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ክሳብ ሕዚ ህይወት 7 ሰባት እንትሓልፍ÷ ኣብ ልዕሊ 11 ሰባት ድማ ከቢድ ጉድኣት ከምዘጋጠመ ኣመልኪቶም፡፡
ቁፅሪ መወትቲ ክውስኽ ከምዝኽእል ብምሕባር÷ መበገሲ ምኽንያት እቲ ሓደጋ ንምፍላጥ ምርመራ እናተኻየደ ይርከብ ኢሎም፡፡
ብዮናስ ጌትነት