10ይ ፎረም ከተማታት ካብ 6 ክሳብ 10 ሕዳር ኣብ ከተማ ሰመራ ሎጊያ ክካየድ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)10ይ ፎረም ከተማታት “ዕቤት ከተማታት ንልህቀት ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ሰመራ ሎጊያ ክካየድ ኢዩ፡፡
ካብ 6 ክሳብ 10 ሕዳር ኣብ ዝካየድ ፎረም፤ ልዕሊ 150 ከተማታትን ልዕሊ 10 ትካላት ንግዲን ከምኡ እውን ዝተፈላለያ ከተማታት ጎረባብቲ ሃገራት ክሳተፋ ኢየን፡፡
ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ እቲ ፎረም ኣመልኪተን ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ፍትሓዊ ተረባሕነት ከተማታት ንምርግጋፅ ዝተጀመረ ፃዕሪ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢለን፡፡
እቲ ፎረም ከተማታት ነንባዕለን ክፋለጣን ዘለወን ተፈጥሮኣዊ ፀጋታት ብሓባር ብምልማዕ ንኽምዕብላ ዘኽእል እንትኸውን፥ ኣድላዪ ቅድመ ምድላው ከምዝተዛዘመ እተን ሚኒስትር ሓቢረን፡፡
ብግዛቸው ግርማዬ