ንልምዓት ደኒ ኢትዮጵያ ሓገዝ ፋይናንስ ንምርካብ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ክሕግ ኢየ – ፋኦ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ትካል ምግቢን ሕርሻን ዓለም (ፋኦ) ኢትዮጵያ ኣብ ልምዓት ደኒ ንእትገብሮም ተግባራት ሓገዝ ፋይናንስ ንምርካብ ትገብሮ ፃዕሪ ክሕግዝ ኢየ ኢሉ፡፡
ተወካሊት ፋኦ ኣብ ኢትዮጵያ ፋራይ ዚሙድዚ ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ከምዝገለፁዎ፥ ኢትዮጵያ ደኒታት መሊስካ ብምልማዕን ኣብ ምክንኻንን ድሕሪ ሒደተ መዓልቲታት ብዝወገነቶም ሰፋሕቲ ስራሕቲ ምምሕያሻት ተራእዮም ኢዮም፡፡
በዚ ድማ ዓለም ለኸ ሓገዝ ፋይናንስ ካርበን ንምርካብ ወሳኒ ከይዲ ምሕላፋ በምሕባር፥ ፋኦ እዚ ፃዕሪ ከምዝድግፍ ኣረጋጊፀን፡፡
ሓገዝ ገንዘብ ካርቦን ንምርካብ ወሰንቲ ኣብ ዝኾኑ ሓለዋ ደኒን ምዕራቕ መሬት ኣብ ምንካይን ኢትዮጵያ ዘመዘገበቶም ዓወታት ንምርግጋፅ ትካለን ኣብ ልምዓት ደኒ ኢትዮጵያ ብቐረባ እናሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፀን፡፡
እቲ ሓገዝ ብፅዕንቶ ክሌማዊ ለውጢ ብዝበለፀ ተጎዳእቲ ዝኾኑ ደቂ ኣንስትዮ፣ ህፃናትን መናእሰይን ተረባሒ ከምዝገብር ብምግላፅ፥ በዚ መዳይ ዝተወገኑ ተግባራት ካብ ሓገዝ ፋይናንስ ሓሊፉ ብዙሕ ረብሓ ከምዘለዎም ኣብሪሆም፡፡
ብይለማርያም ተገኝ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!