Fana: At a Speed of Life!

በዓል ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ዘድልዩ ስራሕቲ ምድላው ተመልኪትና – ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)በዓል ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ዘድሊ ጥበብ ኣመራርሓ ዘረጋግፁ ስራሕቲ ምድላዋት ተመልኪትና ኢሎም ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፡፡

የፌዴሬሽን ምክር ቤት እና የፌዴራል የበዓሉ አቢይ ኮሚቴ 20ኛውን የብሔሮች፣ ብሔረሰቦች እና ህዝቦች በዓል ዝግጅት እየገመገመ ነው።

ክልል ማእኸላዊ ኢትዮጵያ እቲ በዓል ዝካየደሎም ቦታታት፣ ኣጋይሽ ዝዓርፉሎም ቦታታት፣ መእከቢ ኣዳራሻት፣ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ከተማታት ዝተወገኑ ስራሕቲ ምድላዋት ኣመልኪቶም ገለፃ ገይሮም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ከተማ ሆሳእና ናብ 30 ሆቴላት ተፈልዮም ደረጃኦም ብምምላእ ከምዝተሰናድኡ ተሓቢሩ።

ኣብ ከተማ ሆሳእና ሲፖዚየም ዝካየደሉ ኣዳራሽ፣ ኣብ ከተማ ወልቂጤ ዝካየድ ኤግዚብሽንን ባዛርን ንግዲ  ህንፀት ተዛዚሙ።

ልዕሊ 30 ሺሕ ሰባት ከተኣናግድ ዝኽእል ህንፀት ስታዲየም ከምዝተዛዘመ ዝሓበረ እቲ ኮሚቴ፤ ቀረብ ፅሩይ መስተ ማይ ከተማ ሆሳእና ንምዕባይ ተወሳኺ ኳዕቲ ጎዳጉዲ ማይን ዝርገሐ መስመርን እናተገበረ ከምዝርከብ ተሓቢሩ።

ብሄራት ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ብሓባር መኣዲ ዝቖርሱሉ መእንገዲ ድራር ከምዝተሰናደአ ዝሓበረ እቲ ኮሚቴ፤ ተረፍ ስራሕቲ ኣብ ዝሐሸ ብርኪ ኣፈፃፅማ ከምዝርከቡ ኣመልኪቶም።

ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ዝረኣናዮም ስራሕቲ ልምዓ እቲ በዓል ዘምፀኦም ትሩፋታት ዘማላኽቱ ኢዮም ኢሎም።

ዝተረፉ ስራሕቲ ብቕልጡፍ ንኽዛዘሙን እቲ በዓል ብዕዉት ኩነታት ንምኽባር ዘኽእሉ ኩነታት ብጥንቃቐ ክዛዘሙን ኣንፈት ኣቐሚጦም።

ብማርታ ጌታቸው

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.