ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ንሩዋንዳ 2 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ስዒራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ውድድር መፃረዪ ፀወታ ትሕቲ 17 ዓመት ሴካፋ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ንሩዋንዳ 2 ን 0 ብምስዓር ዓወት ኣመዝጊባ።
ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተጀመረ ውድድር መፃረዪ ፀወታ ትሕቲ 17 ዓመት ሃገራት ምብራቕን ማእኸላይን ኣፍሪካ (ሴካፋ) ኢትዮጵያን ሩዋንዳን ዝተራኸባ እንትኾና÷ ኢትዮጵያ ዝተዓወተትለን ሸቶታት ዳዊት ካሳን ሁዘይፋ ሻፊን ኣመዝጊቦምወን፡፡
ብተመሳሳሊ ውድድር ቀትሪ ሰዓት 7፡00 ኣብ ዝተኻየደ መኽፈቲ ፀወታ፤ ሶማሊያን ደቡብ ሱዳንን 2 ን 2 ብዝኾነ ማዕረ ውፅአት ተፈላሊየን።
እቲ መርሃ ግብሪ ቀፂሉ እንትካየድ ሻብ ሰዓት 11:00 ኣብ ሞንጎ ታንዛኒያን ሱዳንን እናተኻየደ እንትኸውን፤ ምሸት ሰዓት 2:00 ድማ ቡሩንዲ ምስ ዩጋንዳ ክራኸባ ኢየን።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!