Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝተፈላለዩ ስነ ምህዳራት ዝሓሸ ፍሪያት ዝህቡ ዓሌታት ኣዝርእቲ ናይ ምፍልፋል ዓቕምና ክብ ኢሉ – ንጉሴ ደቻሳ (ፕ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ስነ ምህዳራት ዝሓሸ ፍሪያት ዝህቡ ዓሌታት ኣዝርእቲ ናይ ምፍልፋል ዓቕምና ክብ ኢሉ ኢሎም ዋና ዴይሬክተር ኢንስቲትዩት ምርምር ግብርና ኢትዮጵያ ንጉሴ ደቻሳ (ፕ/ር)።

ፍሪያት ንምስሳን ዝሕግዝ ምርምር መመሓየሺ ዓሌት ብምግባር እቲ ኢንስቲትዩት ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

ኣብ መፅናዕቲን  ምርምርን፣ ቴክኖሎጂ፣ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ኣሰራርሓን ምምሕያሽን ጠመተ ብምግባር ይስራሕ ኣሎ እውን ኢሎም።

እቶም ዋና ዳይሬክተር ንፋና ዲጂታል ከምዝበልዎ፥ ንኹሎም እዋናት ዝስማማዕ ቴክኖሎጂታት ብምፍልፋል  ዝሓሸ ፍሪያት ንምርካብ ዘኽእል ምርምር ብዘይምቁራፅ ክካየድ ኢዩ።

ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ ስነ ምህዳራት ዝሓሸ ፍሪያት ዝህቡ ዓሌታት ኣዝርእቲ ናይ ምፍልፋል ዓቕምና ክብ ኢሉ ኢዩ ኢሎም።

ብኣቢይ ጌታሁን

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.