ቫይረስ ማርበርግ ኣብ ሓፂር እዋን ንምቁፅፃር ብምውዳድ እናተሰርሐ ይርከብ – ዶ/ር መቅደስ ዳባ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቫይረስ ማርበርግ ኣብ ሓፂር እዋን ንምቁፅፃር ብምውዳድ እናተሰርሐ ይርከብ ኢለን ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ፡፡
እተን ሚኒስትር ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ÷ ሕማም ቫይረስ ማርበርግ ካብ ዝተረጋገፀሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ በቲ ሕማም ንዝተጠርጠሩ 17 ሰባት ምርመራ ላብራቶሪ ተገይሩ፡፡
ካብ ሞንጎ እዚኣቶም እቶም ሰለስተ ቫይረስ ማርበርግ ከምዝተረኸቦምን ህይወቶም ምሕላፉ ከምዝተረጋገፀን ገሊፀን፡፡
ክሳብ ሕዚ 6 ሰባት ምልክታት ሕማም ቫይረስ ማርበርግ ቫይረስ ኣርእዮም ህይወቶም ዝሓለፈ እንትኸውን÷ ምልክታት እቲ ሕማም ምስ ዘርአዩ ምንኽኻእ ዝነበሮም 129 ሰባት ተፈልዮም ክትትል እናተገበረሎም ይርከብ ኢን።
እቲ ለበዳ ኣብ ሓፂር እዋን ንምቁፅፃር ድማ ሚኒስቴር ጥዕና ምስ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ፣ ቢሮ ጥዕና ክልላት፣ ምስ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ክልላት ከምኡ እውን ምስ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ብምውዳድ እናሰርሐ ይርከብ ኢለን፡፡
ብመሰረት እዚ ትልሚ ህፁፅ ምላሽ ሃንደበታዊ ክስተት ጥዕና ሕብረተሰብ ብምውፃእ በቢደረጃኡ ተጣይሹ ማእኸል መተሓባበሪ ሃንደበታዊ ሓደጋ ጥዕና ሕብረተሰብ ኣቢሉ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣመልኪተን፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ኩለመዳይ ህፁፅ ምላሽ ዝህብ ጉጅለ ናብቲ ቦታ ብምልኣኽ ስራሕቲ ቅኒትን ምላሽን ሕማም ማርበርግ ብዝተዋደደን ብዝተጠናኸረን መልክዑ ብትኹረት እናተሰርሐ ይርከብ ኢየን ኢለን፡፡
ከም ሃገር እቲ ሕማም ንምምርማር ዘኽእል ዓቕሚ ላቦራቶሪ ብምህናፅ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ብርእሰ ዓቕሚ ምርመራታት እናተኻየዱ ይርከቡ ኢለን፡፡
ዶ/ር መቅደስ ምልክታት እቲ ሕማም ዘርኢ ዝኾነ ይኹን ሰብ ብህፁፅ ናብ ትካላት ሕክምና ብምኻድ ምርመራ ላቦራቶሪ ክገብሩ ከምዘለዎም ኣተሓሳሲበን፡፡
ምልክታት እቲ ሕማም ሓያል ትኩሳት፣ ቁሪ ቁሪ ምባልን ሕማም ርእሲን፣ ሕማም ጭዋዳን ዝባንን፣ ዕውልውል ምባል፣ ሕማም ከብዲን ተቕማጥን፣ ኣብ ኣፍልቢ፣ ዝባንን ከብዲን ኣዚዩ ጎሊሁ ዝረአ ሽፍሽፍታ ከምኡ እውን ካብ ኣፍ፣ ኣፍንጫ ወይ እውን ካብ ቆርበት ደም ምፍሳስ ኢዮም፡፡
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!