እቲ ፎረም ከተማታት ከተማታ ቴክኖሎጂ ዝፍልፍለለን ከምዝኾና ብተግባር ዝተርኣየሉ ኢዩ – ወ/ሮ ጫልቱ ሳኒ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)10ይ ፎረም ከተማታት ዓውደ ምርኢት ብመንግስቲ መደመር ከተማታት መፈልፈሊ ፍልጠት ቴክኖሎጂ ከምዝኾና ብተግባር ዝተርኣየሉ ኢዩ ኢለን ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ።
10ይ ፎረም ከተማታት ኢትዮጵያ “ዕቤት ከተማታት ንልህቀት ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ሰመራ ሎጊያ እናተኻየደ ይርከብ፡፡
እተን ሚኒስትርርቲ ፎረም ኣመልኪቱ ኣብ ዝተሰናደአ ዓውደ ምርኢት ተዘዋዊረን ተዓዚበን።
በዚ ድማ ኣብቲ ዓውደ ምርኢት ኣብ ከተማታት ዘሎ ልዑል ምንቕቓሕ ብጭቡጥ ምርኣይ ከምዝኸኣላ ብምግላፅ÷ ባህሊ ስራሕ ዜጋታት እናተለወጠ ምምፅኡ ጎሊሁ ዝተርኣየሉ ክዝኾነ ሓቢረን።
መንግስቲ ንከተማታት ዝሃቦ ትኹረት ብጭቡጥ ውፅኢት እናተረጋገፀ ምምፅኡ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር÷ ከተማታት ብዘለወን ዓቕሚን ፀጋን እናለምዓ ከምዝኾና ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!