Fana: At a Speed of Life!

2ይ ምዕራፍ መርሃ ግብሪ መድረኽ መጀመሪ ኮሜርሻላይዜሽን ሕርሻ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢንስቲትዩት ትራንስፎርሜሽን ሕርሻ ዝትግበር 2ይ ምዕራፍ መርሃ ግብሪ መድረኽ መጀመሪ ኮሜርሻላይዜሽን ሕርሻ ኢትዮጵያ ይካየድ ኣሎ፡፡

እቲ ኢንስቲትዩፈት ነቲ መርሃ ግብሪ ኣመልኪቱ ከምዝሓበሮ፤ ከም አቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2019 ጀሚሩ ኣብ ዝትግበር መጀመሪ ምዕራፍ እቲ መርሃ ግብሪ ዝበረታታዕ ውፅኢት ተገይሩ።

ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ ድማ ንለውጢ ንብረት ኣየር ዘይብዳህ፣ መካተቲ ምትእስሳራት እታወትን ትራንስፎርሜሽን ገፀር ምድንፋዕ ልዑል ትኹረት ከምዝወሃቦ ሓቢሩ።

ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራ፣ ኦሮሚያ፣ ሲዳማ፣ ህዝቢታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ፣ ደቡብ ኢትዮጵያን ማእኸላዊ ኢትዮጵያን ተተግቢሩ ዕዳጋ ተኮር ኩታገጠም ሕርሻን ንምስፋሕ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዝገበረ ተገሊፁ።

ምዕራፍ ክልተ መርሃ ግብሪ ድማ ክልላት ቤኒሻንጉል ጉሙዝን ሶማሌን ብምክታት ኣብ ትሽዓተ ክልላት 6 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሓረስቶት ተጠቃሚ ንምግባር ከምዝትግበር ተሓቢሩ።

በዚ ድማ ንፅዕንቶ ክሌማዊ ለውጢ ዘዝብዳህ ኣብ ንግዲ ምርባሕ እንስሳትን ዝራእቲን፣ ዲጂታል ሕርሻ፣ ተሳትፎ ዘፈር ውልቀ፣ ህንፀት ዓቕሚ፣ ስርዓተ ምግቢን ምትእስሳር ሰብኣዊ ልምዓትን ሓዊሱ ኣብ ትሽዓተ ስትራቴጂካዊ ጉዳያት ብምድሃብ ክትግበር ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ መርሃ ግብሪ ናይ ገፀር ማሕበረሰባት ዘላቒ ዕድላት ኢኮኖሚ ብምፍጣር መፍረያይነት ሕርሻ ንምድንፋዕ ዝዓለመ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

ብመሳፍንት ብርሌ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.