Fana: At a Speed of Life!

ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኣፍሪካ ፅዕንቶ ፈጠርቲ ንምግባር ይስራሕ ኣሎ – ሳሙኤል ክፍሌ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ንዓለም ለኸ ለውጢታት ምላሽ ዝህብን ኣብ ኣፍሪካ ፅዕንቶ ፈጣሪን ንምግባር እናተሰርሐ ይርከብ ኢሎም ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ሳሙኤል ክፍሌ (ዶ/ር)፡፡

ሳሙኤል ክፍሌ (ዶ/ር) መበል 75 ዓመት በዓል ኣልማዝ ኢዮቤልዩ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ከምዝበሉዎ÷ እቲ በዓል ዪኒቨርሲቲ ኣድስ ኣበባ ኣብ ውሽጢ 75 ዓመታት ዝገበሮም ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ኣስተዋፅኦ ብምዝካርን ቀፀልቲ ስራሕቲ ብምትላምን ክኽበር ኢዩ፡፡

እቲ ዩኒቨርሲቲ ርእሱ ዘመሓድር ካብ ዝኸውን ንደሓር ናይ ልህቀት ማእኽልነቱ ንምሕላው ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ብምግላፅ÷ ናይ ሕጊ ማዕቐፋት ምልዋጥ፣ ናፅነትን ተሓታትነትን ዘለዎ ፖሊሲ ናይ ምስንዳእ ስራሕቲ ከምዝተወገኑ ፀሪሖም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ፕሮግራም ኣካዳሚ ምክያድን ፕሮግራማት ናይ ምጥማር ስራሕቲ ከምዝተሰርሑን ብምሕባር÷ ኣብ ቀፃሊ ምርምርን ስግግር ቴክኖሎጂን ብምግባር ንኢኮኖሚ ሃገር ዓቕሚ ብምፍጣር ከምኡ እውን ፈፀምቲ ሰብ ሞያ ብምፍራይ ናይ ባዕሉ ግደ ከምዝዋፃእ ተዛሪቦም፡፡

ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ንዓለም ለኸ ለውጢታት ምላሽ ዝህብን ኣብ ኣፍሪካ ፅዕንቶ ፈጣሪን ንምግባር እናተሰርሐ ከምዝርከብ እውን ኣገንዚቦም፡፡

እቲ በዓል ”ዝሓለፈ ምኽባር ዝሐሸ ፅባሕ ንምርኣይ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ከምዝኽበር ተገሊፁ።

ብዙፋን ኣምባቸው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.