ድሕሪ ዓመታት ናብ ኣሜሪካ ዝጓዓዝ ሮናልዶ
ኣአዲስ ኣበባ፣ 9 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፖርቹጋላዊ ኮኸብ ክርስቲያኖ ሮናልዶ ድሕሪ ብዙሓት ዓመታት ሃገራዊያን ጋንታታት ፖርቹጋልን ኣሜሪካን ንዝገብረኦ ናይ ምሕዝነት ፀወታ ናብ ኣሜሪካ ከምዘምርሕ ዕላዊ ተገይሩ፡፡
በዚ ድማ ክርስቲያኖ ሮናልዶ ድሕሪ ዓመታት ናብ ኣሜሪካ ብምምራሕ ፀወታ ከምዝገብር ዘ ኣትሌቲክ ፀብፂቡ፡፡
ሮናልዶ ኣብ መሬት ኣሜሪካ ንመወዳእታ እዋን ዝተፃወተ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2014 ማንቼስተር ዩናይትድ ምስ ሪያል ማድሪድ ኣብ ዝገበረኦ ናይ ምሕዝነት ፀወታ ከምዝነበረ ይዝከር፡፡
ኣብቲ እዋን ማንቼስተር ዩናይትድን ሪያል ማድሪድን ናይ ምሕዝነት ፀወታ ልዕሊ 109 ሺሕ ተዓዘብቲ ኣብ ስታዲየም ብምርካብ ተመልኪቶምዎ ነይሮም፡፡
ሓሙሽተ ግዘ ሽልማት ባሎንዶር ዝተዓወተ ሮናልዶ፤ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ጋዜጠኛ ፒርስ ሞርጋን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ምስ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብምርኻብ ብዛዕባ ሰላም ክዛተ ከምዝደሊ ምግላፁ ይዝከር፡፡
ሃገሩ ፖርቹጋል ናብ ውድድር ፅዋዕ ዓለም 2026 ምሕላፋ ስዒቡ ድሕሪ እዚ ናይ ምሕዝነት ፀወታ እውን ሮናልዶ ናብ ኣሜሪካ ከምርሕ ኢዩ፡፡
ውድድር ፅዋዕ ዓለም 2026፤ ኣሜሪካ፣ ሜክሲኮን ካናዳን ብሓባር ከሰናድአኦ እየን፡፡
ብወንድማገኝ ፀጋዬ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!