Fana: At a Speed of Life!

ኣብ 1920ታት ካብ ኢትዮጵያ ዝተወሰዱ 12 ክባር ሓድጊታት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ 1920ታት ካብ ኢትዮጵያ ዝተወሰዱ 12 ክባር ሓድጊታት ትካል መፅናዕቲን ምርምርን ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ተረኪቡ፡፡

ፍሉጥ ፕሮፌሰር ኒውክሌር ሳይንስ ራሞን ቫይስ ኣቦ ሓጎኦም ቅድሚ 100 ዓመታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ልኡኽ ጀርመን ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ብህያብን ብዕድጊትን ኣተኣኸኺቦም ዘፅንሑዎም ሓድጊታት ኢዮም ሎሚ መዓልቲ ነቲ ትካል ኣረኪቦም፡፡

ካሳ ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ፣ ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ሳሙኤል ክፍሌ (ዶ/ር)፣ ኣፈፃሚ ጉዳይ ኤምባ ጀርመን ፈርዲናንድ ቮን ቬይሄን ካልኦት ኣጋይሽን ተረኺቦም፡፡

ሰላማዊት ካሳ ኣብቲ እዋን÷ ስድራ ራሞን (ፕ/ር) እቶም ሓድጊታት ሓሊዮም ብምፅናሕን ናብ ሃገሮም ብምምላስን ንኢትዮጰያ ዘለዎም ፍቕሪ ብተግባር ስለዝገለፁ ኣመስጊነን፡፡

ሎሚ መዓልቲ ካብ ሞንጎ ዝተበርከቱ ክባር ሓድጊታት፤ ዘውዲታት፣ ጋሻታት፣ ጎራዴ፣ ዝናር፣ ስእሊታት ከምኡ እውን ካብ ራእሲ ተፈሪ መኮንን ዝተበርከቱ ህያባት ከምዝርከቡዎም ፀሪሆም፡፡

ብመሳፍንት ብርሌ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.