ሎሚ እውን ክቡር ህይወት ደቂ ሰባት ዝቐዝፍ ዘሎ ሓደጋ ትራፊክ…
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ሎሚ እውን ክቡር ህይወት ደቂ ሰባት ብሓደጋ ትራፊክ ንስእን ኣለና ኢሉ።
ኣብቲ ሚኒስቴር መራሒ ኣፈፃሚ ስራሕ ህንፀት ዓቕሚ ድሕንነት መገዲ ኣይተ ዮሃንስ ለማ ምስ ፋና ፖድ ካስት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ሓደጋ ትራፊክ ብብርኪ ቁፅሪ ዝቐነሰ እኳ እንተኾነ ሐዚ እወን ዘይትካእ ህይወት ደቂ ሰባት ይቐስፍ በምህላዉ እቲ ሓደጋ ቀኒሱ ዝብል ዝገልፆ ቃል ኣይኮነን ኢሎም።
ቁፅሪ ተሽከርከርቲን ተረባሒ ህዝብን ኣፈላላይ እኳ አነተሃለዎ ብብርኪ ኣፍሪካ ዘሎ ሓደጋ ትራፊክ 90 ሚኢታዊት ናይ ዓለም ዝሽፍን ከምዝኾነ ገሊፆም።
በውሑዳት ተሽከርከርቲ ብዙሕ ሓደጋ ዝበፅሐሉ ኣህጉር ኮይኑ ምምዝጋቡ እውን ተዛሪቦም።
ኣብ 2010 ዓ.ም ኣብ ኢትዮጵያ ዝተመዝገባ ተሽከርከርቲ 1 ሚሊየን ዘይመልኣ ከምዝነበራ ብምግላፅ፥ ይኹን እንበር ኣብቲ ዓመት 5 ሺሕን 118 ሰባት ብሓደጋ ትራፊክ ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ኣዘኻኺሮም።
ብመሰረት ፀብፃብ 2017 ዓ.ም ብሓፈሻ 1 ነጥቢ 6 ሚሊየን ተሽከርከርቲ ከምዝነበሩን ኣብቲ ዓመት 3 ሺሕን 799 ሰባት ብሓደጋ መኪና ምሟቶም ተዛሪቦም።
ኣብ ቀፃሊ ሓደጋ ትራፊክ ንምቕናስ ኢሉ አወን ንምትራፍ ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ክትትልን ቁፅፅርን ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ኢዮም ኢሎም።
ብሄኖክ በቀለ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!