ኢትዮጵያን ማሌዥያን ምትሕብባረን ንነዊሕ እዋን ዝዘለቐ ኢዩ – ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያን ማሌዥያን ምትሕብባረን ንነዊሕ እዋን ዝዘለቐ ኢዩ ኢሎም ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)።
ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ቀደማይ ሚኒስትር ማሌዢያ ዳቶ ሰሪ ኣንዋር ኣብ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ሽርክና እተን ሃገራት ምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ጠመተ ብምግባር ዘቲዮም።
ዑደት እቶም ቀደማይ ሚኒስትር ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ብመትከል ዝምራሕን እናማዕበለ ዝመፅአ ዓምዩቕ ሽርክና ዘረእን ከምዝኾነ ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ተዛሪቦም።
እተን ሃገራት ምትሕብባረን ንብዙሕ ዓማውቲ ዝዘለቐ ከምዝኾነ ብምዝራብ፥ እቲ ርክብ ብብዙሓት ዓውዲታት ንምምዕባል ሓደሽቲ በሪታት ተኸፊቱ ኣሎ ኢሎም።
እቶም መራሕቲ ኣብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ብምዝታይ፥ ቀፃሊ ምትሕብባር ብሩህን ጠንካራን ከምዝኾኑ ኣረጋጊፆም።
ቀደማይ ሚኒስትር ዳቶ ሰሪ ኣንዋር ብግደኦም፥ ዑደቶም ካብ ዲፕሎማሲያዊ ጉዕዞ ብተወሳኺ ሰድራዊ ከመዝኾነ ገሊፆም።
ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር ንምስፋሕ ዘለዎም ባህጊ እውን ገሊፆም።
ብዮናስ ጌትነት