ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ትሰርሕን መፍትሒ እተቕርብን ሃገር ከምዝኾነት ምርኣይ ተኻኢሉ- ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ጉባኤ መራሕቲ ጉጅለ 20 ብምትሕብባር ትሰርሕን መፍትሒ እተቕርብን ሃገር ከምዝኾነት ምርኣይ ተኻኢሉ ኢሎም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)።
እቶም ሚኒስትር ተሳትፎ ኢትዮጵያ ኣብ ጉባኤ መራሕቲ ጉጅለ 20 ዝጠመተ መብርሂ ሂቦም።
ኢትዮጵያ ኣብቲ ኣኼባ ምስታፋ ንሃገር ልዑል ረብሓ ኣለዎ ኢሎም።
እቲ ኣኼባ ዓቕሚ፣ ባህጊ ሃገርና ኢሉ ‘ውን ሓፈሻዊ ከም ኣፍሪካ ምንቕቓሕ ኣጀንዳታት ገሊፅና ኢና ክብሉ ገሊፆም።
ጎኒ ንጎኒ እቲ ኣኼባ ኣብ ክልቲኣዊ መድረኻት መራሕቲ ብዙሓት ሃገራትን ሓለፍቲ ዓለም ለኸ ትካላትን ብምርኻብ ልውውጥ ሓሳብ ከምዝተገበረ ገሊፆም።
እዚ ድማ ምትሕብባርን ርክብን ንምጥንኻር እወንታዊ ዕድል ከምዝፈጠረ ተዛሪቦም።
ኣብቲ ኣኼባ ኢኮኖሚያዊ ስርዓት ፍትሓዊን ኩለ መዳይ ዕብየትን ዘሳልጥ ከምዝኾነ፣ ኣብ ኣፍሪካ ልዑል ዓቕሚ ከምዘሎን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተረኸበ ውፅኢት ምርኣይ ከምዝተኽኣለን ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ንሓበራዊ ተረባሕነት ስርዓት ፋይናንስ፣ ግደ ሃገራት ኣፍሪካ ከመይ ምጉላህ ከምዘድሊ ቅዋማ ምግላፃ ተዛሪቦም።
ኣብ ሓለዋ ከባቢን ክዐሌማዊ ለውጢን ዓለም ለኸ ትካላትን ሃገራት ዓለምን ብምትሕብባር ምስራሕ ዝኽእልሉ መገዲ ምርኣይ ከምዝተኽኣለ ኣብሪሆም።
በዚ መገዲ ኢትዮጵያ ድጋፍ እትሓትት ዘይኮነትስ ኣካል መፍትሒ ዝኾነት፣ ብምትሕብባርን ሽርክናን እትሰርሕ፣ ሓሳብ እተፈልፍልን መፍትሒ እተቕርብን ሃገር ከምዝኾነት ንምርኣይ ከምዝተኽኣለ ኣረጋጊፆም።
ብዮናስ ጌትነት
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!