Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ቡን ታሪኻዊ ዓዋት እናመዝገበት ትርከብ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ቡን እናመዝገበቶ ትርከብ ዓዋት ታሪኻዊን ልዑል ዓቕሚ ኢኮኖሚ ዝፈጠረን ኢዩ ኢሎም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፡፡

ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ኣፍይቲ ቡን፣ ለኣኽቲን መዳርጊ ኣካላት እቲ ዓውዲን ኣብ ዝተረኸቡሉ ሃገር ለኸ መርሃ ግብሪ ኣፍልጦን ኤግዚቢሽንን ቡን እናተኻየደ ይርከብ።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መኽፈቲ እቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ኢትዮጵያ ኣብ በጀት ዓመት 2017 ኣብ ታሪኻኻፈለማ እዋን 470 ሺሕ ቶን ቡን ናብ ወፃኢ ብምልኣኽ 2 ነጥቢ 65 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ረኺባ ኢሎም።

ኣብ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት 600 ሺህ ቶን ቡን ብምልኣኽ ልዕሊ 3 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ንምርካብ ከምዝተሃቀነ ፀሪሖም፡፡

መፍረያይነትን ፅሬትን ቡን ዘመሓይሽ ኢኒሼቲቭ ተሓንፂፁ እናተተግበረ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ልዕሊ 9 ቢሊየን ፈልሲታት ምትካል፣ ልዕሊ 700 ሺሕ ሄክታር መሬት ዝኣረጉ ኣትክልቲ ቡን ምሕዳስን ካልኦት ስራሕቲ መፍረያይነት ቡን ንኽውስኽ ከምዝገበሩ ገሊፆም።

ቅድም ክብል 200ን 300ን ሺሕ ቶን ቡን ብዓመት ንምፍራይ ዝነበረ ፀገም ከምዝተሓለፈ ኣዘኻኺሮም።

ብለይኩን ዓለም

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.