Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዘየቋርፅ መትከል ምህዞን ሰሌጤንን እናሰራሕና ምዕባለ ኢትዮጵያ ክነረጋግፅ ኢና – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዘየቋርፅ መትከል ምህዞን ሰሌጤንን እናሰራሕና ምዕባለ ኢትዮጵያ ክነረጋግፅ ኢና ኢለን ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ፥ “ብመርኣዪ ናይ ምድማር መንግስቲምዕባለ ዓውዲታት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንማእኸለዎትን ላዕለዎትን ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ክወሃብ ዝቐነየ ካልኣይ ዙር ስልጠና ምዕባይ ዓቕሚ ተዛዚሙ።

እተን ከንቲባ ኣብ መዛዘሚ እቲ መድረኽ ከምዝበልኡ፥ እቲ ኣመራርሓ ኣብ ኩሎም ዓውዲታት ኣብቲ ስልጠና ዝረኸቦ ግንዛበ ብጭቡጥ እናተሳለጡ ዘለዉ ተግባራትን ዝተረኸቡ ውፅኢታትን ናይ ስራሕ ዑደት ኣካይዱ።

ኣብ ኩሎም ዓውዲታት ዝተመዝገቡ ውፅኢታት ብምቕፃልን ብድሆታት ናብ ዓውት ብምቕያር፣ ዝሓሸን መርኣያ ምዕባለ ዝኾነትን ኢትዮጵያ ንምህናፅ ጠመተ ንክግበረሎም አገንዚበን።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.