Fana: At a Speed of Life!

ስርሑ ዝዛረበሉ ኮከብ ኢንጎሎ ካንቴ…

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ንሱ ብዛዕባ ስርሑ ምንም ምዝራብ እንተየድለዮ ስርሑ ዝምስክረሉ ኮኸብ ኢዩ ፈረንሳዊ ተፃዋቲ ክፍሊ ማእኸል ኢንጎሎ ካንቴ፡፡

ናብ ፈረንሳይ ካብ ዝተሰደዱ ማላዊያን ወለዱ ኣብ ፓሪስ ዝተወለደ ኢንጎሎ ካንቴ፤ ብባህሪኡ ሓፋር ይኹን እምበር ኣብ ሜዳ ዝገብሮ ምንቅስቓስ ግን ብዝበለፀ ጎሊሁ ዝረአ ጀግንነቱን ሰዓራይነቱን ኢዩ፡፡

ኢንጎሎ ካንቴ ኣብ ሜዳ ብዘለዎ ጥንካረን ኣፈላላይ ፈጣራይነትን ዝፍለጥ እንትኸውን÷ ካብ ኩሉ እዋን ተፃወትቲ ክፍሊ ምክፍፋል ሓደ ተገይሩ ይፅራሕ፡፡

ፈረንሳዊ ኮኸብ ማእኸል ሜዳ ንዓወት ጋንትኡ ዝዋደቕን ስርሑ ብሱቕታ ዝውግንን በዓል ፍሉይ ተውህቦ ኢዩ፡፡

ኢንጎሎ ካንቴ ምስ ተፃወትቲ ተፃረርቲ ጋንታታት ይኹን ምስ ደቂ ጋንትኡ ኣብ ጎንፂ ክኣቱ ተራኢዩ ኣይፈልጥን ብትግሃት ዝፍፅም ዘደንቕ ኮኸብ ከምዝኾነ ብተደጋጋሚ ኣርኢዩ ኢዩ፡፡

ኢንጎሎ ካንቴ ብዛዕባ ስርሑ ምንም ምዝራብ እንተየድለዮ ስርሑ ባዕሉ ኣፍ ኣውፂኡ ዝዛረበሉ ኮኸብ ተፃዋቲ ከምዝኾነ ይምስከረሉ፡፡

ሌስተር ሲቲ ኣብ 2015/16 ዓመተ ውድድር ሃንደበት ፅዋዕ እቲ ሊግ እንትትዕወት ኢንጎሎ ካንቴ ዝነበሮ ኣስተዋፅኦ ብኻሊእ ዝትካእ ኣይነበረን፡፡

ሌስተር ሲቲ ሻምፒዮን እቲ ሊግ እንትትከውን ብዘርአዮ ዘደንቕ ምንቅስቓስ ብእዋኑ ብዙ ምስጋናን ናእዳን ከምዘትረፈ ኣይርሰሳዕን፡፡

ሌስተር ሻምፒዮን ምስኮነት ኣብ ቀፃሊ ዓመት ብ32 ሚሊየን ፓውንድ ናብ ቼልሲ ዝተፀምበረ ካንቴ÷ ዳግም ክብሪ እቲ ሊግ ምስ ጋንታ ምዕራብ ለንደን ቼልሲ ክዕወት ክኢሉ ኢዩ፡፡

ካንቴ ኣብ ቼልሲ ዝነበሮ ፃንሒት ፅዋዓት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ፣ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓን ፅዋዕ ፊፋ ጋንታታት ዓለምን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ፅዋዓት ክዕወት ክኢሉ፡፡

ኣብ ቼልሲ ሸውዓት ናይ ውድድር ዘበናት ፃንሒት ድሕሪ ምግባር ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2023 ብናፃ ዝውውር ናብ ጋንታ ስዑድ ዓረብ ብምምራሕ ንኣል ኢትሃድ ክታሙ ብምንባር እናተፃወተ ይርከብ፡፡

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2018 ሃገሩ ፈረንሳይ ፅዋዕ ዓለም እንትትዕወት ኢንጎሎ ካንቴ ዝነበሮ ኣስተዋፅኦ ዝለዓለ እንትኸን÷ ኣብቲ እዋን ምስ ፖል ፖግባ ዝነበሮ ዘደንቕ ናይ ማእኸል ሜዳ ጥምረት ዝርሳዕ ኣይኮነን፡፡

መብዛሕተኦም ተፃወትቲ ናብ ሊግ ስዑዲ ምሰምርሑ ንሃገራዊት ጋንታኦም ናይ ምፅዋዕ ዕድሎም ፀቢብ ይኹን እምበር ካንቴ ሕዚ እውን ንሃገሩ እና ይርከብ፡፡

ወዲ 34 ዓመት ካንቴ ብሱቕታን ብህርኩትነትን ስርሑ እናሰርሐ ዝርከብ ዘደንቕ ኮኾብ ኢዩ፡፡

ብወንድማገኝ ፀጋዬ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.