ፍሰት ኢንቨስትመንት ዘዕበዮ ምርካብ ምላሽ ሕቶ ሰብ ሃፍቲ
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ብሰብ ሃፍቲ ዝቐርቡ ዝነበሩ ሕቶታት ተግባራዊ ምላሽ ምሃቡ ፍሰት ኢንቨስትመንት ንክዓቡ ኣኽኢሉ ኢሉ።
ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ዘለቀ ተመስገን (ዶ/ር)፥ ምላሽ ካብ መንጎ ዝረኸቡ ሕቶታት 14 ፓርክታት ኢንዱስትሪ ናብ ፍሉይ ዞባታት ኢኮኖሚ ምኽያር ተረቋሒ ኢዩ ኢሎም።
ምዝዛም ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ምስ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተዛሚዶም ዝለዓሉ ዝነበሩ ሕቶታት ተግባራዊ ምላሽ ከምዝተውሃቦም እውን ተዛሪቦም።
ምስ ሸርፊ ወፀኢ ብዝተዛመደ ዝቐርቡ ዝነበሩ ሕቶታት ብመመሓያሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ውፅኢት ከምዝተረኸበ ኣብሪሆም።
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝበረሎም ከባቢታት ምስፍሑ ትካላት ብቐሊሉ ፍሪያቶም ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንክልእኹ ምኽኣሉ ፍሰት ኢንቨስትመንት ክውስኽ ከምዝገበሮ ሓቢሮም።
ብሓፈሻ ኣብቲ ዓውዲ ዝተገበረ ኩለ መዳይ መመሓየሺ ኣብ 2024/25 ዓ.ም.ፈ ለዕሊ ኣርባዕተ ቢሊየን ዶላር ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ንክምዝገብ ምኽኣሉ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!